ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘለኹም፡ ንናይ ኮሌጅ ትምህርቲ ገንዘብ ፍጹም ክትከፍሉ የብልኩምን” ቤቴል ኢሳያስ


ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሜሪላንድ ዝመደብሩ ስፖርታዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራዊያን ኣሜሪካዊያን ዝሓለፈ ቀዳም 16 መጋቢት 2019 ንተምሃሮ ካልኣይ ደረጃን ናብ ኮሌጅ ዝኣትውን ዝምልከት ዓውደ ስራሕ ወይ ዎርክሾፕ ኣአንጊዱ ነይሩ።

ኣብ 2011 ብውሑዳት ወለዲ ኣብ ግዝኣት ሜሪላንድ ተጀሚሩ ኣብ 2015 `ማሕበር ኤርትራውያን ኣመሪካውያን መንእሰያት ስፖርት` ብዝብል ወግዓዊ ሽም ዝተመዝገበ ኤሬ-ስታር፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ልዕሊ 160 ኣባላት ተማሃሮ ሒዙ ንብዙሓት ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ተማሃሮ ኮሌጃትን ናይ ሓበሬታን ምኽርን ባይታ ኣብ ምፍጣር ዓቢይ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ።

“መንእሰያት ብዲሲፕሊንን ፍልጠትን ተሃኒጾም ኣብ ማሕበረሰቦም ንፉዓትት ዕዉታትን ከምኡ`ውን ናይ ጽባሕ መራሕት ክኢላታትን ኮይኖም ክወጹ ኤሪ-ስታር ይጽዕር”።

ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተገብረ ዓውደ-ስራሕ ወይ ዎርክሾፕ፡ ናብ ኮለጃት ንምእታው ዘሎ ዕድላት ስኮላርሺፕን ኣብ ኮሌጃት ዘሎ ክትክተሎ ዝግባእ ምርጫታትን ዝምልከት ፡ ካብ ኮሌጅ ዝተመረቑን ሰብ-ሞያ መንእሰያትን ተመክሮታቶምን ፍልጠታቶምን ኣካፊሎም።

መሰረት አርአያ -አማኻሪ ፖሊሲ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ዲሞክራቲክ ካካስ
መሰረት አርአያ -አማኻሪ ፖሊሲ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ዲሞክራቲክ ካካስ

ብዛዕባ ናጻ ስኮላርሺፕ ንምርካብ ብዙሕ ዕድላት ከምዘሎ ንምርኣይ “ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘለኹም፡ ንኮሌጅ ገንዘብ ፍጹም ክትከፍሉ የብልኩምን” ትብል ቤቴል ኢሳያስ ፕሮጀክት ማናጀር ኣብ ኢንተርናሽናል ደቨሎፕመንት።

መደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣሜሪካ ቀዳማይ ክፋል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG