ቅድም ክብል ብሕብረተሰብና ዝተለመደን ብሰብ ሞያ ሕክምና ብተደጋጋሚ ዝንገርን ፀባ ጡብ ንህፃናት ኣገዳሲ ምዃኑን ህጻናት ኣብ ዕሽል ዕድሚኦም ንዘጋጥሞም ሕማማት ንምክልኻል ከምዝሕግዝን እዩ። ሓድሽ ዝወጸ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ ድማ ንደቀን ኣጥብየን ዘዕበያ ኣዴታት ኣብ እዋን ሽምግልና ብዘጋጥም ሕማም ልቢ ከይጥቅዓ ከምዝከላኸለለን ይሕብር፡፡