ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ዓብደላ ሃምዶኽ 7 መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሓድሽ ዝተዋደደ ካቢነኦም ምምዛዞም ገሊጾም


ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶኽ 7 መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ነበር ኣብ ሓድሽ ዘዋደድዎ ካቢነ ምምዛዞም ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ንሶም ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዝተበጽሓ ስጉምቲ ስዒቡ ምዃኑ ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃምዶኽ ኣቐዲሙ ዝነበረ ካቢነኦም ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ምብታኖም'ዮም ነዚ ሓድሽ ካቢነ ትማሊ ሶኑይ ወግዓዊ ዝገበሩ።

ኣብቲ ሓድሽ ካቢነ ክልተ ሚኒስትራት ካብ ወታሃደራዊ ሓይሊ'ታ ሃገር ዝተመዘዙ ክኾኑ ከለው ዝተረፉ ግን ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ዓብይ ተራ ዝተጻወተ ጉጅለ ሓይልታት ናጽነትን ለውጢን አባላት'ዮም።

ገለ ካብቶም ሓደሽቲ ዝተመዘዙ ሚኒስትራት ጓል ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ሳዲቕ አል መሓዲ መርየም ኣል ሳዲቕ ኣል መሃዲ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኮይና ተመዚዛ'ላ።

ነባር መራሒ ኣብ ግጭት ዳርፉር ዓብይ ተራ ዝነበሮ ውድብን በዓል ሞያ ቁጠባ ጂብሪል ኢብራሂም ድማ ሚኒስትሪ ፋይናንስ'ታ ሃገር ክኾኑ ተመዚዞም ኣለው።

XS
SM
MD
LG