No media source currently available
ኣብ ክልል ትግራይ ማእከላይ ዞባ ኣብ ወረዳ ሓሓይለ ተወሊደን ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ንስደት ዘምርሓ ወይዘሮ ሊድያ ሸፈርድ፡ ኣብታ ተወሊደን ዝዓበያላ ዓዲን ከባቢን ተመሊሰን ምስ ከዳ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝተዓዘበኦ ስእነት ትምህርቲን ሕክምናን ስቕ ኢለን ንኽዕዘባ ኣየኽኣለንን። ገዝአንን ካልእ ውልቃዊ ንብረትንን ሸይጠን ፈለማ ቤት ትምህርቲ፡ ዳሕራይ ድማ መወለዳን ክሊኒክ ሰሪሐን።