ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘጥብዋ አዴታት ብሕማም ልቢ ክጥቕዓ ትሑት ተኽእሎ ከምዘለወን ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ሓቢሩ


ፋይል

ቅድም ክብል ብሕብረተሰብና ዝተለመደን ብሰብ ሞያ ሕክምና ብተደጋጋሚ ዝንገርን ፀባ ጡብ ንህፃናት ኣገዳሲ ምዃኑን ህጻናት ኣብ ዕሽል ዕድሚኦም ንዘጋጥሞም ሕማማት ንምክልኻል ከምዝሕግዝን እዩ። ሓድሽ ዝወጸ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ ድማ ንደቀን ኣጥብየን ዘዕበያ ኣዴታት ኣብ እዋን ሽምግልና ብዘጋጥም ሕማም ልቢ ከይጥቅዓ ከምዝከላኸለለን ይሕብር፡፡

ብቻይናውያን ዝተኻየደ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ ዘጥበዋ ኣዴታት ኣብ እዋን ሽምግልና ከጓንፈን ንዝኽእል ሕማም ልብን ኣብ ሓንጎል ምፍሳስ ደምን (ካለስትሮል) ብዓሰርተ ሚእታዊት ከምዝንኪ አዩ።

ኣብ ማእክል ምርምር ኣካዳሚ ቻይና ፔኪንግ ዩኒቨርሲቲን ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲን ዕድምአን ካብ ሓምሳን ሓደን ዓመት ንላዕሊ ናይ ዝኾና 289,573 ደቂ ኣንስትዮ ሓበሬታ ጥዕና ሪእዮም ነይሮም። ኣብ’ቲ ምርምር ዝረኽብዎ ውፅኢት ከምዝሕብሮ ዘጥበዋ ኣደታት ምስ ዘየጥበዋ እንክነፃፀራ ሕማም ልቢ 9 ሚእታዊት፣ ኣብ ሓንጎል ዘጋጥም ምፍሳስ ደም (ስትሮክ) ድማ ብ8 ሚእታዊት ከምዝንኪ እዩ።

እዘን ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ዘጥበዋ ኣደታት ብሕማም ልቢ ዝጥቀዓሉ መጠን ሓደጋ ብ18% ከምዝጎድል ኣብ ሓንጎል ምፍሳስ ደም (ስትሮክ) ዝጥቅዓሉ ድማ ብ17% ይንኪ። ብተወሳኺ ንመጠን ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ልብን ስትሮክን ብኣርባዕተ ወይ ብሰለስተን ሚእታዊት ይውስኽ ይብል መደምደምታ መፅናዕቲ እቶም ተመራመርቲ። እቲ መፅናዕቲ ኣብ ጋዜጣ ማሕበር ልቢ ኣሜሪካ (Journal of American Heart Association) ተሓቲሙ ኣሎ።

ናይ ልቢ ሓኪም ዝኮና ነየካ ጎልድበርግ ከምዝሓበረኦ ዋላ’ካ ኣብ’ቲ መፅናዕቲ እንተዘይተኻፈላ ኣዴታት ብምጥባወን ዝረኽበኦ ረብሓ ኣብዘጥብዋሉ እዋን ብዝፍጠር ኦክሲቶሲን (Oxitocin) ብዝብሃል ሆርሞን እዩ ክኸውን ዝኽእል ይብላ።

ጡብ ምጥባው ብዙሕ ረብሓ እዩ ዘለዎ። ህፃናት ካብ ጡብ ኣዴኦም ንዝረኽብዎ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምስተወለዱ ክጋንፎም ንዝኸእል ንህይወቶም ሓደገኛ ዝኾን ሕማም ረኽሲ ክከላኸሉ ዓቕሚ ይህቦም። ብፍላይ ድማ ፅሩይ ማይ ኣብዘይብለን ሃገራት ዝውለዱ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ግዳያት ሞት ንከይኾኑ ይሕግዝ እዩ፡፡

ንኣዴታት እውን ተወሳኺ ጊዝያዊ ረብሓ ኣለዎ። ኣብ እዋን ጥንሲ ንዝፍጥር ናይ ሰውነት ለውጢ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ እውን ይሕግዝ እዩ። ክብደት ንምንካይ ብኡ’ን ምስኡ ንዝመፅእ ስብሒ (ካለስትሮል)፣ ድፈኢት ደምን ዓቐን ሽኮርን ንምዕራይ ርኡይ ተራ ኣለዎ።

ኣብ ኒውዮርክ ዳይረክተር ማእከል ሕክምና ደቂ ኣንስትዮ ጆኣን ኤች ቲሽ ዝኾና ጎልድበርግ ከምዝበልኦ እቲ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ ዘጥበዋ ኣዴታት ምስ ካልኦት እንክነፃፀራ ብመዳይ ጥዕና ዝሐሸ ህይወት ከምዝመርሓ እዩ።

ጎልድበርግ ከምዝበለኦ በቶም ቻይናውያን ዝተገበረ መፅናዕቲ ኣዴታት ድሕሪ ምውላደን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ካብ ዝረኽቡዎ ሓበሬታ እዩ። ክኸውን ዘለዎ ግና ይብላ እዘን በዓልቲ ሞያ ብኽልቲኡ ወገን (ዘጥበዋን ዘየጥበዋን) ግቡእ ቁፅፅር ገይርኻ ድሕሪ ምክትታል ኣብ ሕማም ልቢ ይኹን ስትሮክ ክህልዎ ንዝኽእል ቀጥታዊ ርክብ ተወሳኺ መፅናዕቲ ከምዘድሊ እዮ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG