“ኣብ ህውከት ተሳቲፎም’’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሲሩዎም ዝነበረ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ትማሊ ምፍትሖም ሕጉሳት ምዃኖም ዝገለፁ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ፓርቲ ቀደሙ እውን ክእሰሩ ኣይነብሮምን ኢሎም።
ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ ሰሙናት ክልተ ጋዜጠኛታትን ክልተ ጸሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርነትን ምእሳሮም ገሊጹ’ዩ።
ሃገራዊ ምንቅስቃስ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ውድብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ውድባት ብዝተፈረመ ስምምዕ ከምዝተመስረተ ተገሊጹ።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብዝካየድ ዘሎ ምንቅስቃስ ሃገሮም ንዝኾነ ይኹን ተቃዋሚ ደጊፋ ከምዘይትፈልጥ ናይ ግብጺ ፕረዚደንት ዓንደልፋታህ አልሲሲ አፍሊጦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ብሓደ ኢትዮጵያዊ በዓል ሃብቲ ዝንቀሳቀስ ልምዓት ሕርሻ ሰራሕተኛታቱ ብወታሃደራት መንግስቲ ሱዳን ከምዝተወስዱ ወናኒ’ቲ ሕርሻ ኣፍሊጦም።
ኣርባዕተ ውድባት ተቃውሞ ኦሮሞ ብሓደ ንምቅላስ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ኣፍሊጦም። ንኣርባዕቲኦም ውድባት ብምውካል መራሒ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ዶ/ር በያን ኣሶባ መብርሂ’ለው።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኦሮምያ ይረአ ምስ ዘሎ ኩነታት ብዝተሓሓዝ መንግስቲ ኣሜሪካ ጭቡጥ ስጉምቲ ንኽወስድ ዝሓቱ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ኣባላት ማህበረሰብ ኦሮሞ ሎሚ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ቀሪቦም ብዛዕባ’ቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት መብርሂ ሂቦም። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት’ውን ተረኺቦም መብርሂ ሂቦምን ይህቡን’ለው።