ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ እሱራት ምፍትሑ ከምዘሓጎሶም ግን ክእሰሩ ኣይነበሮምን ክብሉ ኣመራርሓ ተቓወምቲ ፓርትታት ገሊጾም


ፋይል- ጥቕምቲ 2,2016 ኣብ ቢሾፍቱ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻይደ ተቓውሞ
ፋይል- ጥቕምቲ 2,2016 ኣብ ቢሾፍቱ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻይደ ተቓውሞ

“ኣብ ህውከት ተሳቲፎም’’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሲሩዎም ዝነበረ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ትማሊ ምፍትሖም ሕጉሳት ምዃኖም ዝገለፁ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ፓርቲ ቀደሙ እውን ክእሰሩ ኣይነብሮምን ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ እቶም ሰባት ክፍትሑ ከለው ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኢህወዴግ ብዓሚቕ ተሃድሶ ክሓልፍ ከምዘለዎን ጌጋታት ውድቦም ኢሎም ዝዘርዘሩዎም ፀገማት ኣወጊዱ ፍታሕ ክህብ ከምዝሰርሕን ገሊፆም ኣለው።

እቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ግን ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ መደረ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ ዝብል እምነት የብልናን ኢሎም።

ነዚ ዝገለፁ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣባላት ኣመራርሓ ውድባት ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፣ናይ ኢትዮጵያ መላእ ሓድነት ውድብን ሰማያዊ ፓርትን እዮም ።

ኣቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ የሺ ዋስ ኣሰፋ እቶም ሰባት ምፍትሖም ፅቡቕ ኮይኑ ቀደሙኸ ክእሰሩዶ ነይሩዎም ኢሎም ይሓቱ።

እቶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣይድገምን ዝብል ቃል ኣትዮም ምውፅኦም ብመራኸቢ ብዙሃን ተገሊፁ’ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም መደረ ከስምዑ ከለው ንሳኻትኩም ናይ ባዕልኹም ጌጋ ተዛሪቡኩም ኣለኹም ኣነ ድማ ናይ መንግስተይ ጌጋ ክዛረብ ብምባል በብደርጅኡ ዝርከብ መሪሕነት ክዘራርበኩም፣ርእይቶኹም ክሰምዕን ኣይክኣለን፤መንግስቲ ብዕምቆት ክህደስ፤ንዴሞክራሲ ከስፍሕ ብፍላይ ንመንእሰያት ኣቕሪብና ክነዘራርቦም ይግብእ ኢሎም ኣለው።

ዋና ፀሓፊ መኢኣድ ኣቶ ኣዳነ ጥላሁን ብወገኖም ክእሰሩ ኣይነበሮም ብምባል ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቦም ኣለው።

ኣመራርሓ ኦፌኮ ብወገኖም ኣሽንኳይዶ ክንዲዚ ዝኣክል ሰብ ሓደ ሰብ ክፍታሕ ከሎ እውን ዘሕጉስ ስለዝኾነ ሕጉሳት ኢና ኢሎም ።ብምቅጻል ንሶም ተኣሲሮም ዝነበሩ ክፍትሑ ከለው ተዛሪቦምዎ ንዝተብሃለ ግን ብጥርጣረ ከምዝሪኡዎ ይገልፁ።

ኩሎም ኣባላት ኣመራርሓ እተን ውድባት መንግስቲ ሓቀኛ ፍታሕ ክህብ ኣለዎ ኢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG