ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ኢትዮጵያ ሕግን ስርዓትን ቕድሚ ምፍራሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሽምግልና ኣሜሪካ ክሓትት ኣለዎ" ሄርማን ኮሀን


ሄርማን ኮሀን
ሄርማን ኮሀን

ኣብ መጀመርታ 90ታት ምክትል ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሄርማን ኮሀን ትማሊ ኣብ ዝዘርግሕዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሕግን ስርዓትን ቕድሚ ምፍራሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሽምግልና ኣሜሪካ ክሓትት ጸዊዖም።

ሄርማን ኮሀን ኣብ’ቲ መልእኽቶም ሕግን ስርዓትን ቕድሚ ምፍራሱ መንግስቲ ኣሜሪካ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ዝሳተፍሉ ጉባኤ ከዳለው መሪሕነት ህውሓት ክሓትት ኣለዎ ይብሉ።

እዚ እንታይ ማለት’ዩ ንዝብል ሕቶን ካልእን ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG