ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺ እቲ ትካል ዝተጠቅሱ ጋዜጠኛታት ሎሚ ዝተአሰሩን ኣቀዲሞም ተአሲሮም ዝጸንሑን ዘይሕውስ ኽከውን ኸሎ ክሲ ሽብርተኝነት ተመሲርትዎ ኣሎ’ውን ኢሉ።
እቲ ተሓላዊ መሰላት ጋዜጠኛታት ብስም ዝጠቐሶም በፍቃዱ ሃይሉ፡ናትናኤል ፈለቀ ኣቤል ዋብላን አጥናፉ ብርሃኔን ኣብ ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብዝጽሕፍዎ ጽሑፍ ክሲ ሽብርተኝነት ከምዝተመስረቶም ጠቂሱ’ሎ።
ናይ ኦሮምያ ብሮድካስቲንግ አገልግሎት ጋዜጠኛ አብዲ ገዳ አብቲ ናይ ትማሊ መግለጺ እቲ ትካል ሃለዋቱ ከምዘይፍለጥ ተገሊጹ’ኳ እንተነበረ ኣብ አዳማ መደበር ፖሊስ ተታሒዙ ከምዘሎ ከይዶም ዝረአይዎ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።
መንግስቲ ንተቓውሞ ዝሃቦ ምላሽ ምርግጋእ ኣየምጽእን እዩ ክትብል ኣብ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ዳይሬክተር ኣፍሪቃ አንጀላ ኩዊንታል አዘኻኺራ’ላ።
“ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ነጻነት ፕረስ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብዝፍጸም ዘሎ ኹነት ኣዚና ንጭነቕ አለና፡ ዝውሰዱ ዘለው ስጉምትታት ሓይሊ ምዕጻው ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን የሻቕለና’ሎ። እቲ ህዝቢ ሓሳቡ ዝገልጸሉ መድረክ ይጸብብ ኣሎ።"
ኢትዮጵያ በአተሓሕዛ ጋዜጠኛታት ጽቡቕ ስም የብላን ዝበለት ሚስ አንጀላ ኪዊንታል ከምንፈልጦ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍቲ ዓንዲ ኢንተርነትን ምእሳር ዝምልከት ታሪኻ ጽቡእ ኣይኮነን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።