ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርባዕተ ተቓውሞ ውድባት ኦሮሞ ብሓደ ንምስራሕ ተሰማሚዕና ይብሉ


ኣርባዕተ ውድባት ተቃውሞ ኦሮሞ ብሓደ ንምቅላስ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ኣፍሊጦም። ንኣርባዕቲኦም ውድባት ብምውካል መራሒ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ ዶ/ር በያን ኣሶባ መብርሂ’ለው።

እቶም ብሓባር ንምስራሕ ዝተሰማምዑ ውድባት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብጋዜጠኛታት ዝተሓባበረ ኦነግ ተባሂሉ ብልምዲ ዝጽዋዕ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ፡ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኦሮሞ፡ ‘ከልቻ ወለጉማ ኦሮሞ’ን ነጻነት ግንባር ኦሮምያ እዮም። ናብቲ ሕብረት ክመጹ ዘገደዶም ምኽንያት ተኸፋፊልና ምቅላስ ጠቃሚ ኮይኑ ብዘይምርኻቡ’ዩ ኢሎም።

ዶ/ር በያን ብዛዕባ’ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዚ ኢሎም።

‘ልዕሊ ኹሉ ኸአ ኣብ ሃገርና ህዝብና ብቆራጽነት ብሓድነት ንፋሽሽታዊ ኣገዛዝኣ ወያነ እንዳተቃለሰ፡ እንዳተሰወአ ኣብዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሕና’ውን ናብ ሕብረት መጺና ኣብ ጎኑ ህዝብና ደው ክንብል ቃልስና ኣተሓባቢርና ነቲ ውልቐ-መላኺ ፋሽሽታዊ ኣገዛዝአ ወያነ ንምውጋድ ንቃለስ ከምዘለና ብምግንዛብ’ዩ ናብዚ ስምምዕ ዝተበጽሐ።’

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣርባዕተ ተቓውሞ ውድባት ኦሮሞ ብሓደ ንምስራሕ ተሰማሚዕና ይብሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:05 0:00

XS
SM
MD
LG