ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ተዳወብቲ ወረዳታት ክልላት ኦሮምያን ሶማልያን ተጋፊሑ ዘሎን ህይወት ብዙሕ ሰብ ዘጠፍአ ጎንጽታት ደው ንምባል ጻዕሪ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ጊዜ ኣብ ዞባ ባሌ ትማሊ ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 16 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
ብዛዕባ’ቲ ትማሊ ኣብ ዞባ ባሌ 16 ሰባት ቀቲሉ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ዝተሓቱ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ ጉዳያት ኮሚኒኼሽን ክልል ኦሮምያ ዞባ ባሌ አቶ ከድር ዋዶ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ብከቢድ ዝተዓጥቑ አባላት ናይ ክልል ሶማልያ ፍሉይ ፖሊስ’ዮም ድሕሪ ምባል ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ወረዳ ዳዊ ቃቻ ቀበሌ አዴ አራጋ መጥቃዕቲ ከፊቶም ኣብ ልዕሊ ሰባት ተኩሶም ኢሎም።