ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ሰራሕተኛታት ሕርሻ ብወታሃደራት ሱዳን ተወሲዶም- ወናኒ'ቲ ትካል


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ብሓደ ኢትዮጵያዊ በዓል ሃብቲ ዝንቀሳቀስ ልምዓት ሕርሻ ሰራሕተኛታቱ ብወታሃደራት መንግስቲ ሱዳን ከምዝተወስዱ ወናኒ’ቲ ሕርሻ ኣፍሊጦም።

እቲ ሰሊጥን ጡጥን ዘፍርይ ኣልኑር በሽር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕርሻ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከል ወረዳ ጉባ ቀበሌ ኦሜድላ ከምዝርኸብ ዝገለጹ ወናኒ’ቲ ትካል ኣቶ ይርሳው የሺወንድም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ወታሃደራት ሰሜን ሱዳን ብክልተ ታርጋ ሱዳን ዘለወን መካይን ወታደራዊ ክዳን ተኸዲኖም መጺኦም ምሸት ይሰርሑ ንዝነበሩ ሰራሕተኛታት ወሲዶም ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ሓበሬታ ኣለና ኢሎም። ክሳብ ሕጂ ዝተረጋገጸ 22 ብኮንትራት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ምውሳዶም ምኳኑ እቶም ወናኒ’ቲ ሕርሻ ወሲኾም ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG