ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብዝተላዕለ ግጭት ክልተ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ተማሃሮ ምሟቶም ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ትማሊ ምሸት ብዝተለዓለ ግጭት ክልተ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ተማሃሮ ምሟቶም ተፈሊጡ።

ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ክልላት ትግራይን ኦሮምያን ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን(ፌስቡክ) ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ቀጽሪ ሻምቡ ለይቲ ብዝተላዕለ ህወከት፡ ተማሃሮ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ዝነበሩ ክልተ ተወላዶ ትግራይ ህይወቶም ከምዝሰአኑ ገሊጾም ኣለው።

ምስቲ መቕተልቲ ብዝተአሳሰር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝወዓሉ ከምዘለው ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኼሽን ክልል ኦሮምያ አቶ አዲሱ አረጋ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጾም ገሊጾም ኣለው።

ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ከተማ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ ናብ ዝኾነ ሻምቡ ስልኪ ብምድዋል እቶም ተማሃሮ ከምዝሞቱ ካብ ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ ኣረጋጊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG