ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጋድ ፍሉይ ርክብ የቃንዕ፡ ሓያሎ ወገናት ኣብ ስምምዕ መዘከር ዘለዎም ተቓውሞ የስምዑ


ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጉዳይ ሶማልን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ክልቲኣን ሃገራት ፍልልያተን ኣጽቢበን ብዘተ ክፈትሓ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ “ኣዲስ ኣበባ ነቲ ስምምዕ መዘከር እንተዘይሰሪዛ፡ ንዘተ ዝኸውን ቦታ የለን፡” ክትብል ሶማል ምላሽ ሂባ'ላ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ ስምምዕ መዘከር ንልኡላውነት ሶማል ስለ ዝጥሕስ፡ ንሱ ውዱቕ ከይኰነ ንዝርርብ ድሉዋት ኣይኰንና፡” ኢሉ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሶማልን ከምኡ’ውን ግጭት ሱዳን ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ካምፓላ ዩጋንዳ ኣብ ዝጋብኣሉ ዘሎ እዋን’ዩ። ኣብቲ ሸሞንተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሓቘፈ ዞባዊ ውድብ፡ ኣባልነታ ብመንገዲ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን ዝሰሓበት ሱዳን፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ናብቲ ውድብ ደጊማ ዝተጸንበረት ኤርትራን ከምኡ’ውን ካልእ መደባት ጸኒሑዎም ዝተብሃሉ መራሕቲ ኢትዮጵያን ይሳተፉ ከም ዘየለዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ርክብ ኢጋድ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሳቪኒ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ግን ኣብቲ ኣኼባ ከም ዘይትሳተፍ ወሃብ-ቃል ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣምባሳድር መለስ ኣለም ሎሚ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ ካልእ መደብ ስለ ዘለዎም’ዮም ኣብቲ ርክብ ኢጋድ ክሳተፉ ዘይከኣሉ፡” ክብል’ውን ኣምባሳድር መለስ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣምባሳድር መለስ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ’ውን ምላሽ ሂቡ ኣሎ። ኣብቲ ንስምምዕ መዘከር ዝዀነነ ርክብ ሊግ ዓረብ ዝተረኽበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሽክርይ፡ “ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ቀንዲ ምንጪ ዘይምርግጋእ ኰይና ኣላ፡” ክብል እንከሎ፡ ኣምባሳድር መለስ ኣለም ድማ “ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ፡” ክብል መሊሱ'ሎ።

ኣብ መንጎ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር፡ “ንልኡላውነት ሶማል ዝጥሕስ” ክብላ፡ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሊግ ዓረብ፡ ቱርኪን ቻይናን ኰኒነንኦ ኣለዋ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቤተ-መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ዝዀነ ጆን ከርቢ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ንምህዳእ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ኢጋድን ኰይኖም ይሰርሑ ምህላዎም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብዚ ኣብ ካምፓላ ዝቃናዕ ዘሎ ርክብ ኢጋድ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ይሳተፍ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ዋይት ሃውስ ከም ዝገልጾ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነት ሶማል ክኽበር ከም ዘለዎ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ኣመሪካ በቲ ጉዳይ ተሻቒላ ምህላዋ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ጠቒሱ።

ሰብ-መዚ ኣመሪካ ካብ ዝጠቕሱዎ ቀንዲ ኣሰካፊ ወገን፡ እቲ ስምምዕ መዘከር፡ ነቲ ዞባ ኣብ ዝደገሰ ምትፍናን ኣእትዩ፡ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ኣብ ዝግበር ዞባዊ ምትሕባብር ከላሕልሖን ኣንፈቱ ክልውጦን ምዃኑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG