ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንወታሃደራዊ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ እኹል ምድላው ከም ዝተገብረ ተገሊጹ


ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ - ፋይል
ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ - ፋይል

ኣብ ሶማሊላንድ ክምስረት ንዝተሓሰበ ወታሃደራዊ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ እኹል ምድላው ከም ዝተገብረ ተገሊጹ።

ሓለፍቲ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ መደበር ዘለዎ ኣቃውማ ብዛዕባ ዝካየዱ ተግባራትን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንቀዋሚ ኮሚቴ ርክብ ወጻኢ ጉዳያትን ሰላምን ጸብጻብ ኣቅሪቦም'ለዉ።

ምኽትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵታ ሬር ኣድሚራል ናሰር ኣባ ዲጋ ነቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝተገብረ ስምምዕ መዘክር ንኢዶም እቲ ትካል ንዝወሃቦ ዕማም ክፍጽም ኣብ ዝኽእል ደረጃ ከምዝበጽሐ ተዛሪቦም።

ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ዶ/ር ፈቲሃ ማህዲ ድማ እቲ መደብር ኣብ ሶማሊላንድ ወታሃደራዊ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምምስራትን ተልእኾኡ ንምፍጻምን እኹል ምድላው ጌሩ'ሎ ኢሎም።

እዚ ዜና ዝስማዕ ዘሎ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን 1ጥሪ 2024 ዝተፈረመ ስምምዕ መዘክር ኣብ ዘሰሓሕበሉ ዘሎ ግዜ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG