ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል ክኽበር ትጽውዕ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተፈረመ መዘክር ስምምዕ ስዒቡ ቻይና ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል ክኽበር ትማሊ ሓሙስ ፀዊዓ።

ብመሰረት’ቲ ዝተገብረ ስምምዕ መዘክር ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወሰናስን ማያት ሶማሊላንድ 20-ኪ.ሜትር ን50 ዓመት ክትሕዞ’ያ። ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ኣብኡ ሓይሊ ባሕሪን ናይ ንግዲ ወደብ ከም ትምስርት ኣመላኺታ'ላ።

ኣብ ወሽመጥ ዓደን ትርከብ ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት እንግሊዝ ዝነበረት ሶማሊላንድን ካብ ሶማል ኣብ 1991 ናጽነታ ትኣውጅ ደኣምበር ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።

ኣብ ሶማል ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ንወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ ሶማሊላንድድ ኣካል ሶማል’ያ” ኢሉ’ሎ። ኣስዒቡ “ ቻይና ሃገራዊ ሓድነትን ንሉኣላዊነት ግዝኣት ኣብ ምሕላው ንፌደራል መንግስቲ ሶማል ትድግፍ" ድሕሪ ምባል ሃገራት’ቲ ዞባ ንዞባዊ ጉዳያት ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ክሕዘኦ ተስፋ ንገብር ኢሉ’ሎ።

ኣመሪካ: ሕብረት ኤውሮጳ: ሕብረት ኣፍሪቃ: ዓረብ ሊግ: ግብፂን ቱርኪን ኣቀዲሞም ሉኣላዊነት ሶማል ክኽበር ፀዊዕም’ዮም።

ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝባ ካልኣይቲ ትስራዕ ኢትዮጵያ ፡ ኤርትራ ኣብ 1993 ሉኣላዊነት ካብ ትእውጅ ንደሓር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ምንዳይ’ያ ኔራ ክብል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG