ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ኣፍሪቃ - ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላዊነት ኣባል ሃገራት ክኽበር ጸዊዑ


ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሞሳ ፋቂ - ፋይል
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሞሳ ፋቂ - ፋይል

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህድኣት ክሰፍን ጻውዒት ዘቕረበ ኢትዮጵያ ምስታ ገዛእ-ርእሳ ዝፈለየት ሶማሊላንድ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ዘሎ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራማ`ዩ።

እቲ ንወደብ-ኣልቦ ኢትዮጵያ ብሸነኽ ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ዝህብ ዝተባህለሉ ውዕል ንሃገረ ሶማል ኣቖጢዑ`ሎ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሞሳ ፋቂ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ነቲ ኣብ መንጎአን እናነሃረ ዝኸይድ ዘሎ ውጥረት ብህድኣት ክሕዝኦ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ "ኩለን ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ልኡላውነተንን ግዝኣታዊ ሓድነተንን ክኽበረለን ኣገዳሲ`ዩ” ኢሉ። ኣስዒቡ እቲ ተርእዮ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝምድናታት ከበላሽዎ ከም ዝኽእል ስኽፍትኡ ገሊጹ`ሎ።

ብተመሳሳሊ ቤት ጽሕፈት እስላማዊ ምትሕብባር ሎሚ ሓሙስ ካብ ከተማ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ዘውጽኦ መግለጺ “ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል ክኽበር ይግባእ” ኢሉ።

እቲ 57 ሃገራት ዝሓቑፍ ምትሕብባር ብዓለምለኸ ሕጊ መሰረት ንሉኣላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ኣባል ሃገራት ምኽባር ዘለዎ መርገጺ ብምሕባር ንሉኣላውነትን ዝጥሕስ ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ’ሎ።

ቱርኪ’ውን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዘይ ኣፍልጦን መንግስቲ ሶማል ንዝተፈረመ መዘከር ስምምዕ ኰኒና ኣላ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ዝተበጽሐ ስምምዕ መዘክር ዝምልከት ዝቐረበሎም ሕቶ ንሓድነትን ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ፈደራል ሪፖብሊክ ሶማል ዘለዎም ድጋፍ ዳግማይ ከምዘረጋግጹ ብምግላጽ እዚ ዓለምለኸ ሕጊ’ውን ዝጠልቦ’ዩ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ኣብ መግለጺኦም ወሲኾም ኣብ መንጎ ሶማልን ሶማሊላንድን ዘሎ ፍልልያት ብቀጥታዊ ልዝብ ኣብ መንጎ ሶማልያዊን ክፍታሕ ዘለዎም ድልየት ብምግላጽ በዚ መሰረት ድማ ደገፎም ከምዝህቡ ሓቢሮም።

ኮሚተ ህዝባዊ ጉዳያት ኢትዮጵያዊያን-ኣመሪካዊያን ዝተባህለ ጉጅለ እውን ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈረሞ መዘከር ተቓውሞኡ ገሊጹ።

እቲ ኮሚተ ኣቐዲሙ ብትዊተር ዝፍለጥ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኤክስ ዘውጽኦ መልእኽቲ ብሕገ መንግስቲ’ታ ሃገር ብቻርተር ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራት መምርሒ መሰረት ንኣድላይነት ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል ብምስማር ንመርገጺ ሕብረት ኣውሮጳ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።

“ኢትዮጵያ ድማ ከም መስራቲት ኣባል ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ንዓለምለኸ መምርሒታት ናይ ምክባርን ምድጋፍን ሞራላዊ ሓላፊነት ኣለዋ፡” ኢሉ።

እቲ ጉጅለ ወሲኹ እታ ሃገር ንዘለውዋ ዝተፈላለዩ ጸገማት ብምጥቃስ ከምዚ ዓይነት ዞባዊ ጉዳያት ምብግጋስ ዘይተገዳስነት’ዩ ኢሉ።

ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ ነታ ርእሰ-ምምሕዳር ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል ነገር ነጺጋቶ`ላ። “ኣመሪካ ነታ ኣብ 1960 ዶባታ ዝፍለጥ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማል እያ ትፈልጥ” ክብል ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ሂቡ።

ግዝኣት እንግሊዝ ዝነበረት ሶማሊላንድ ኣብ 1991 ናጽነተይ ኣዊጀ እንተበለት`ኳ ኣፍልጦ ዝሃበታ ሃገር ግን የላን። ፕረዚደንት`ታ ርእሰ-ምምሕዳር ሙሰ ቢሒ ዓብዲ፡ ከም ለውጢ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኢትዮጵያ`ውን ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ`ያ ምባሉ ይፍለጥ እንተኾነ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተዋህበ ጽጹይ መረጋገጺ የለን።

ምስዚ ብዝትሓሓዝ ሎሚ ሓሙስ'ውን ኣብ ከተማ ሞቓዲሾ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣንጻር`ቲ ውዕል ሰለማዊ ሰልፊ አካይዶም።

እቲ ናብ ስታድየም ኮኒስ ዝተመመ ሰልፊ፡ ብዛዕባ`ቲ ንኢትዮጵያ ብሶማሊ-ላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ምፍቃድ ዝብል ስምምዕ ቁጥዕኡ ይገልጽ ኔሩ። እቲ ኣብ ወደብ ባርባራ ናይ 50 ዓመት ምሉእ ክራይ ዝህብ ስምምዕ፡ ኣብ ሉኣላውነት ሶማል ሻቕሎት ፈጢሩ`ሎ።

እቲ ናይ ሞቓዲሾ ሰልፊ ብዞባዊ ምምሕዳር ዝተዳለወ ክኸውን ከሎ፡ ካብ መንጎ`ቶም ተሰለፍቲ ገሊኦም “ኢትዮጵያ ካብ ጉዳይ ሶማል ኢድኪ ሰሓቢ፡ ንልኡላውነት ሶማልን ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝፍለጥን ዶባት ሶማልን ኣኽብሪ" ዝብል ጻውዒት የቕርቡ ኔሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG