ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንስምምዕ መዘከር ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝድግፍን ዝቃወምን መግለጺታት ይውሕዝ


ኣብ ዝደሓረ ምዕባለ …

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማቲው ሚለር ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብዝምልከት ሎሚ ረቡዕ ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረበሉ ሕቶ እቲ ኩነታት ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ውጥረት ምፍጣሩ ከምዘተሓሳሰቦም ብምግላጽ ኩሎም አካላት ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ልዝብ ክጽመዱ ብምጽዋዕ ኣመሪካ ንሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ፈደራል ሪፖብሊክ ሶማልን ኣብ 1960 ዝተሓንጸጹ ዶባትን ኣፍልጦ ከምትህብ ገሊጾም።

ኣብ ሃርጌሳ ርእሰ-ከተማ ሶማሊላንድ፡ ነቲ መንግስቲ እታ ርእሰ-ምምሕዳር ዝድግፍን ዝቃወምን ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዱ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ልኢኹ ኣሎ። ከም ጸብጻብ ወኪልና፡ እቲ ፈለማ ዝተራእየ ሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ብፕረዚደንት እታ ርእሰ-ምምሕዳር ሙሰ ቢሒ ዓብዲ ዝተፈረመ ስምምዕ ዝቃወም ክኸውን እንከሎ፡ ኣማስያኡ ድማ ነቲ ተግባር ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ።

ኣብ ካልእ ምዕባለ መንግስቲ ሶማል ንዋና ጸሓፊ ውድብ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፡ መንግስታት ሶማልን ኢትዮጵያን ፍልልያቶም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሑ ንዝጸውዖ ኣትሪሩ ብምዅናን ይቕረታ ክሓትትን ነቲ መግለጺ ክስሕብን ጸዊዑ ኣሎ።

ማሕበር ሃገራት ዓረብ’ውን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ብኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር ኣትሪሩ ብምዅናን፡ “እቲ ተበግሶ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ’ዩ፡” ክብል ጸዊዑዎ ኣሎ።

ብሰኑይ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሒ ዓብዲን ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር፡ ኣብ ልዕሊ ሶማላውያን ቍጠዐ ኣስዒቡ፡ ኣብ ሞቓዲሾ ነቲ መዘከር ስምምዕ ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ ኣሎ።

ኣብቲ ጉዳይ መብርሂ ከይሃበ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ሎሚ፡ ብመንገዲ ኣገልግሎት መራኸቢታት ኣቢሉ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

“ብናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ፡ ኲናትን ናይ በበይኖም ኣካላትን ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ኲናት ኣፍደገ ባሕሪ ስኢንና፡” ዝበለ መግለጺ ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ፡ “ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ነቲ ጽሕፍቶ ንምልዋጥን ሰፋሕቲ ምዕዝምዛማት ህዝቢ ብምስማዕን” ኢሉ ዝጠቐሶ፡ መንግስቲ ዘላቒ ፍታሕ ንኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ክሰርሕ ምጽናሑ ይጠቅስ።

ኢትዮጵያ ንኣፍደገ ባሕሪ ክትብል ኣብ ኲናት ከም ዘይትኣቱ ዝጠቐሰ መግለጺ፡ ብሰላማዊ መንገዲን ንዅሉ ኣካል ብዘርብሕን ጥራይ ክትገብሮ ምዃና የስምር።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት መራኸቢታት ኢትዮጵያ፡ ንንግዳዊን ወታሃደራዊን መዓላታት ናይ ወሽመጥ ዓድን ኣፍደገ ባሕሪ ዝኸፍት ክኸውን እንከሎ፡ ከም ኣምሳያኡ ድማ ንርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብርኪ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘፍቅድ ምዃኑ ይሕብር። ንጉዳይ ኣፍልጦ ምሃብ እታ ርእሰ ምምሕዳር ድማ፡ “ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ንምርካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዕሚቝ ክምርምር ምዃኑ ተሰማሚዑ” ይብል።

መግለጺ ኣገልግሎት መራኸቢታት መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዝተፈረመ መዘከር “ንዝዀነ ሳልሳይ ኣካል ዘይጎድእን መሬታዊ ሓድነት ካልኦት ሃገራት ኰነ ውዕላት ዘይጻረርን’ዩ” ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።

እንተዀነ ብመራሕቲ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ዛጊት ዝቐርብ ዘሎ መግለጺታት ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ክትህባ ምስምማዓ ዝሕብር’ዩ። እቲ ዝተፈረመ መዘከር ዛጊት ናብ ህዝቢ ኣይተዘርሐን።

ካቢነ ሶማል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝገበሮ ህጹጽ ርክብ ነቲ መዘከር ስምምዕ ኣትሪሩ ኮኒኑዎ ኣሎ። “ንልዕልና ሶማል ዝጻባእን ኣብ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ምትእትታውን’ዩ” ክብል ዝገለጸ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸክ መሓሙድ፡ እቲ ስምምዕ ውዱቕ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማሊላንድ ዝዀነ መሓመድ ካሂን ብወገኑ፡ ትማሊ ሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ሶማል ንሶማሊላንድ ኣካል ምምሕዳራ ኢላ ምጽዋዓ ወግዓዊ ይቕረታ ክትሓትት ንጽበ፡” ክብል መሊሱ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ፡ ጉጅለ ኣልሸባብ’ውን በቲ ስምምዕ መዘከር ኣትሪሩ ብምቅዋም፡ “ህዝቢ ሶማል ኣንጻር ዝዓበየ ጸላኢ ሓቢሩ ክቃለስ ንጽውዕ፡” ክብል ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሕብረት “ግዝኣታዊ ሓድነት፡ ልኡላውነት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማል” ክኽበር ጸዊዑ። መግለጺ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣስዒቡ፡ ቻርተራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ምትግባር ኣብ ሰላምን ርግኣትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ግደ ዓቢ ምዃኑ ኣስሚሩ።

በይነ-መንግስታዊ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ድሕሪ’ቲ ምፍርራም መዘከር ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ንዝተፈጥረ ወጥሪ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። እቲ ብስም ዋና-ጸሓፊ እቲ ውድብ ዝተዘርግሐ መግለጺ ውድብ ኢጋድ፡ ክልቲኦም ኣባል ሃገራት ንመትከላት እቲ ውድብ ተኸቲለን ፍልልያትን ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሓ ተማሕጺኑ።

ነቲ ስምምዕ መዘከር ዝቃወሙ ግን ኵላቶም ኣይኰኑን። ኣምባሳዳር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ነበር ቲቦር ናጅ፡ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “እቲ ስምምዕ መዘከር ንኽልተ ወገናት ብማዕረ ዘርብሕን ጽቡቕ ገስጋስን” ክብል ጸዊዑዎ ኣሎ።

ኣስታት 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሶማሊላንድ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝነበረት ኰይና፡ ካብታ ግዝኣት ኢጣልያ ዝነበረት ሶማል ኣብ 1991 ናጽነታ ኣዊጃ’ያ። እንተዀነ ነታ ርእሰ-ምምሕዳር ዛጊት ወግዓዊ ናይ ሃገር ኣፍልጦ ዝሃበታ ሃገር የላን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG