ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንኣጠቓቕማ ወደባት ዝምልከት ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊ-ላንድ መዘከር ስምምዕ ፈሪማ


ዝተሓደሰ፡

መንግስቲ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ሎሚ ዝፈረመኦ ስምምዕ መዘከር ምትሕብባር፡ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ወደባትን ተጠቃምነት ባሕሪን ዝኸፍት ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወጽአ መግለጺ የነጽር። ኣብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊ-ላንድ ሙሴ ቢሂ ዓብዲን ሎሚ ኣብ ዝኸተሙዎ መዘከር፡ ክልቲኦም ኣካላት ንኣጠቓቕማ ባሕሪን ክልተኣዊ ጸጥታዊ ጉዳያትን ሓቢረን ክሰርሓ ከም ዝምልከት እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ይሕብር።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ስምምዕ ‘’ብስራት ሓዱሽ ዓመት እዩ’’ ኢሎም።

እቲ ስምምዕ ን50 ዓመት ዝጸንሕን ሊዝን እናተሓደሰ ዝቕፅልን ምዃኑ ዝገለፁ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚንስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሶማሊ-ላንድ ወታሃደራውን ንግዳውን ሰፈር ክህልዋ ዝፈቅድ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ብመሰረት ብኽልተ ወገናት ተፈሪሙ ዘሎ ስምምዕ መዘከር፡ ሶማሊ-ላንድ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ'ውን ብርኪ ክህሉዋ'ዩ። ነዚ ዘመልከተ ዜና ሮስተርስ ግን ብዛዕባኡ ዝርዝር ከም ዘይቀረበ ይጠቅስ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ’ያ ድሕሪ ምባሎም ንጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራ፡ ጁቡቲን ሶማልን ሓዊሱ፡ ክሳብ ምምሕዳር ኣመሪካ ከቢድ ዝርርብ ፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር። ቀዳማይ ሚኒስተር ድሒሩ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ እታ ሃገር ብሰላማዊ መንገዲ እምበር፡ ንኣፍደገ ባሕሪ ኢላ ምስ ዝዀነት ጎረቤት ሃገር ኣብ ኲናት ከም ዘይትኣቱ ኣስዒቦም’ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ብመንገዲ ሚንስትሪ ዜና ኣቢሉ ኣብ ዝሃቡ ሓጺር ምላሽ፤ "ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት፡ ብዛዕባ ማያትን መሳዂቲ ባሕሪን ዝመሳሰሎ ኣርእስትታትን ዝተባህለን፡ ‘ተባሂሉ’ ዝተባህለን፡ እልቢ የብሉን። ዘየስደመሞ ተዓዛቢ ኸኣ የለን። መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ወትሩ፡ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጐደናታትን መኣዲታትን ከምዘይዕደም ደጋጊሙ እናረጋገጸ፡ ንኹሎም ግዱሳት ከይትንኰዩ ይምሕጸን፡’’ ምባሉ ይዝከር።

ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊ-ላንድ ዛጊት ከም ሃገር ዓለማዊ ኣፍልጦ የብላን። ካብ 1991 ኣትሒዛ ርእሰ-ምምሕዳር ዝኣወጀት ሶማሊ-ላንድ፡ ሶማልያ ግን ኣካላ ምዃና'ያ ትሕብር።

ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካቢነ ሚኒስተራት ሶማሊያ ህጹጽ ኣኼባ ንጽባሕ ጸዊዑ ምህላዉ ካብ ኣገልግሎት ፈነወ ቋንቋ ሶማል ናይ ድምጺ ኣመሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG