ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ንስምምዕ መዘከር ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣትሪራ ትነጽግ


ምፍርራም ስምምዕ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን
ምፍርራም ስምምዕ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን

ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣሰሓሓቢ ውዕል ድሕሪ ምፍራማ፡ ሶማል ንሉኣላዊነታ ብሕጋዊ መገዲ ከም ተውሕስ ሓንሒና'ላ።

ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣምባሳደራ`ውን ስሒባ'ላ።

እቲ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምሃብ ዝተገብረ ሃንደበታዊ ውዕል ንጹር ጥሕሰት ልኡላውነተይ`ዩ ዝበለት ሶማል፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከም ትመርሖ ኣፍሊጣ`ላ።

እቲ ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድን መራሒ ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሒ ዓብዲ ዝተገብረ ታሪኻዊ ዝተባህለ መባእታዊ ባይታ ምርድዳእ፡ ንኢትዮጵያ ብወደብ ባርባራ ኣፍደገ ባሕሪ ዝኸፍተላን ወተሃደራዊ መደበር ዘፍቅደላን ምዃኑ`ዩ ተገሊጹ'ሎ።

ካቢነ ሶማል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ሶማል፡ እታ ግዝኣት ኣካል ሶማል`ያ፡ ስለዚ ምስኣ ስምምዕ ምግባር ንልኡላውነት ሶማል ብንጹር ምጥሓስ ኢሉ`ሎ።

ቀዳማይ ሚንስተር ሶማል ነታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሶማልያውያን ክዕገሱ ድሕሪ ምጽዋዕ፡ ሓንቲ ኢንች ናይ መሬትና ኮነ ባሕርና ከም ዘይንህብ ከረጋግጸልኩም እፈቱ ኢሉ።ቀዳማይ ሚንስተር ሶማል ኣስዒቡ “ልኡላውነትናን ግዝኣታዊ ሓድነትናን ንምክልኻል፡ ፍልልያትና ኣወጊድና ብሓድነት ደው ንበል” ኢሉ።

ብዛዕባ`ዚ ግብረመልሲ ሶማል፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ርእይቶ ዛጊት የለን። እንተኾነ ብዛዕባ`ቲ ምፍርራም መግለጺ ዝሃበ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ እቲ ስምምዕ ባይታ መረዳድኢ፡ኢትዮጵያ ኣፈደገ ባሕሪ ክተረጋግጽ ንዘለዋ ራእይ መንገዲ ዝኸፍት`ዩ ኢሉ ኔሩ።

እዚ ምፍርራም ዝስማዕ ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ፡ ሃገሩ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰላ ክተረጋግጽ`ያ ድሕሪ ምባሉን ኣብ ጎረባብቲ ሻቕሎት ድሕሪ ምፍጣሩን ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ`ዩ። እቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝተገብረ ስምምዕ መኣስ ይትግበር ዝብል ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ብኻልእ ወገን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ንሓዋሩ ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር ክትፈልጣ ዝብል ዓንቀጽ ከም ዘለዎ ገሊጹ`ሎ። ሶማል ኣብቲ ዘቖጥዕ ጥሕሰት ልኡላውነት ዝበለቶ ኩነታት፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃ ጣልቃ ክኣትዉ ጸዊዓ`ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG