ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል ከምተኽብር ተፍልጥ፡ ኢትዮጵያ ምላሽ ትህብ


ብሪጣንያ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተፈጥረ ውጥረት ከምዘሻቀላ ብምግላጽ "ንሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ፌደራላዊት ሪፐብሊክ ሶማል ዘለና ኣኽብሮት ደጊምና ንገልጽ" ክብል ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ሶማል ዝዘርግሖ መግለጺ የፍልጥ። ብህድኣትን ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ ኣገባብ ንክፍታሕ ልዝብ ንክግበረሉ’ውን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ሶማል ብወገና ነቲ ውዕል ብጎረቤት ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ጎበጣን ንሉኣላዊነታ ዝጠሓሰ'ዩ ብምባል ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ህጹጽ ኣኼባ ንከካይድ ትጽውዕ።

ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ዓረብሊግን ሉኣላዊነት ሶማል ንክኽበር ጸዊዖም ኣለው።

ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝኸተመኦ ውዕልን ግብረ መልስታትን ብዝምልከት ሎሚ ዓርቢ ርእይትኦም ዝሃቡ ኣማኻሪ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን "ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ይቃላሕ ዘሎ ግብረ መልሲ፣ ልዕሊ ትጽቢትና ኣይኮነን" ኢሎም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ወሲኾም "ቀዳማይ፣ እቶም ግብረ መልሲታት፣ ኢትዮጵያ ማዕቢላ ምስ ዓለምለኸ መድረኽ ዘራኽባ ኣፍደገ ባሕሪ እንተረኺባ፣ ብክልተ እግራ ደው ክትብል ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ኣካላት ሓዊን ነዳዲን እናቀበሉ ሪኢና" ኢሎም።

እቶም ኣምባሳደር፣ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ እያ ንዝባሃል ኣመልኪቶም "እቲ ናይ መረዳድኢ ሰነድ፣ ብሙልእነት ምስ ተተግበረን ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ተረከብናን ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ንምርካብ ጻዕሪ ምስ ጀመረትን፣ ኢትዮጵያ መርገጺ ክትሕዝ እያ" ክብሉ ምላሽ ሂቦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG