ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል ካብ ኤርትራ ይምለስ፣ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም


ብ1 ጥሪ 2024 ኣብ መንጎ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር፡ ኣቓልቦ እቲ ዞባን ዓለምን ኣብ ዝሰሓበሉ፡ ኢታ-ማጆር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ናይ ሶማሊላንድ መዘናኡ ኑህ እስማዒል ታኒ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምዝርራቡ ወግዓዊ ገጽ ፈይስቡክ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ጠቒሱ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ወታሃደራዊ ድምጾታት ሓቢሮም ክሰርሑ ምስምማዖም መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ኣስመራ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ሎሚ ናብ ሃገሩ ምፍናዉ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድን ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣመልኪቶም ከም ዝተዘራረቡ ዘመልከተ መግለጺ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ብዛዕባ’ቲ ርክብን ዝተገብረ ምርድዳኣትን ኣመልኪቱ ዝሰፍሐ መግለጺ ክስዕብ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ቍንጫል ናይቲ ቃለ-መጠየቕ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ከም ዘስፈሮ፡ “ዕላማ መንገሻይ ኣንጻር ኣል-ሸባብ ኣብ እንግበሮ ዘለና ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ጎድንና ስለ ዘላ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት ከካፍሎ’የ መጺአ፡” ክብል ተዛሪቡ። ኣስዒቡ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣብቲ ዞባ ብዛዕባ ዝምዕብል ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ መዳያት ምዝርራቦም’ውን ጠቒሱ። “ኤርትራ ንመሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ሶማልያ ከም እተኽብር” ደጊሙ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከም ዘረጋገጸሉ’ውን ፕረዚደንት ሓሰን ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ስምምዕ መዘከር፡ ንኣመሪካን ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ከምኡ’ውን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሓዊሱ፡ ካብ በበይኖም ኣካላት ናይ ሻቕሎት መግለጺታት ኣስዒቡ’ዩ።

እዚ ስምምዕ መዘከር ብዘይካ'ቲ ናይ ካልኦት ሃገራትን መንግስታትን ተቓውሞታት፡ ካብ ተሓለቕቲ ወገናት ኢትዮጵያውያን'ውን ተቓውሞ ይጎንፎ ኣሎ። ኦላ (OLLAA) ብዝብል ኣሕጽሮ-ቃላት ዝጽዋዕ ማሕበር ተወላዶ ብሄረ ኦሮሞ፡ "ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነት ሶማል" ክኸበር ጸዊዑ'ሎ።

እንተዀነ፡ እቲ ዝስዕብ ዘሎ ናይ ውሽጢን ደገን ተቓውሞታት ግድን ንሓደ ጻውዒት ኣይኰነን። ንኣብነት ድሕሪ’ቲ ስምምዕ መዘከር ካብ መዝነቱ ብፍቓዱ ዝወረደ ሚኒስተር ምክልኻል ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ዓብዲቓኒ መሓሙድ፡ “ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ጸላኢት ሃገርና’ያ። ሰራዊታ ኣብ መሬትና ንኸተሰፍር ምስምማዕና ድማ ንልኡላውነትና ዝጥሕስ’ዩ፡” ይብል።

ቅድሚ’ቲ መዘከር ስምምዕ ምፍርራሙ፡ እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር፡ ንፕረዚደንት ሙሰ ቢሒ ዓብዲ፡ “ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ሶማሊላንድ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ከተቐውም ከም ዘይግብኣን። ንሱ ድማ ምጥሓስ ልኡላውነት ሶማሊላንድ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ጉዳይ ንህዝቢ ክግደፍ፡” ምንጋሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ጠቒሱ። እንተዀነ ስክፍታ እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ብፕረዚደትን ሙሰ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ኣብቲ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ሓቢሩ።

እቲ መዘከር ስምምዕ ኣብ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ናይ ተቓውሞን ድጋፍን ሰለማዊ ሰልፍታት’ዩ ኣስዒቡ።

መሪሕነት በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኢጋድ ተረኪባ ዘላ ጂቡቲ ትማሊ ሰኑይ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለ ኣመልኪቱ መንግስቲ ጂቡቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ከይዲ ዘለዎ ስክፍታ ብምጥቃስ፡ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ቅልጡፍ ዘተ ተገይሩ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ክዓርፍ ጸዊዑ።

ቅድሚ’ቲ ኣብ መንጎ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ መዘከር፡ ነታ ርእሰ-ምምሕዳርን ሶማልን ንምዝርራብ ጂቡቲ ባይታ ኣጣጢሓ ነይራ። ኣይጸንሐን ግን እቲ ዝተመደበ ዘተ ተሰሪዙስ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዓሪጉ።

እዚ መዘከር ስምምዕ ምስ ዝትግበር ቅልጡፍ ጽልዋ ክህሉዎ ከም ዘይክእል ተንተንቲ ይእምቱ። ሶማል ኣብ ልዕሊ ሶማሊላንድ ናይ ምስግዳድ ሓላፍነት የብላን። እንተዀነ ኣብ ማእከል ስትራቴጂ ሳሃን ዝሰርሕ ማት ብራይደን ከም ዝብሎ፡ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ነቲ ዞባ ብኣሉታ ክጸሉን ዘይምርግጋእ ከስዕብን ተኽእሎኡ ዓቢ’ዩ። ብራይደን ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ከም ዘካፈሎ፡ ጂቡቲ ምሉእ ናይ ኢትዮጵያ ወደባዊ ኣገልግሎት ሒዛ ስለ ዘላ ረብሓኣ ክጽሎ’ዩ። ግብጺ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ወሽመጥ ዓደን መዓከር ሓይሊ ባሕሪ ምቛማ ቀጥታዊ ስግኣት ክህሉዋ’ዩ። ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ሊግ ዓረብን ድማ ካብ ኣባላት ሃገራት ተሪር ስጕምቲ ንምውሳድ ጸቕጢ ክስዕበን ምዃኑ እቲ ክኢላ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG