ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪቃ ምትፍናን ሶማልን ኢትዮጵያን የሻቕሎ፣ ልኡላውነት ኣባል ሃገራት ክኸበር ይጽውዕ


ቤት ምኽሪ ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንኢትዮጵያን ሶማልን ኣመልኪቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ኣቃኒዑ። ካብ ኣምባሳድራት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝቐረበሉ መደረ ፈለማ ዝሰምዐ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ መዘከር ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ከም ዘሻቐሎ ኣመልኪቱ።

ጋዜጣዊ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሕብሮ፡ ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋካ መሃማት፡ ንቻርተራት እቲ ሕብረትን ሕቡራት ሃገራትን ብምጥቃስ መሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነት ኣባላት ሃገራት ክኽበር ጸዊዑ። ኢትዮጵያን ሶማልን ኣባላት እቲ ሕብረትን ውድብን ከም ምዃነን መጠን ድማ ካብ ተጻብኦ ተቖጢበን፡ ንልኡላውነት ሓድሕደን ከኽብራ ኣዘኻኺሩ።

ኮሚሽነር ሙሳ ኣባላት ሃገራት ካብ ምትእትታውን ጸግዒ ምውሳድን እቲ ዝኸይድ ዘሎ ምትፍናን ክቖጠባ ጸዊዑ። እቲ ቤት ምኽሪ ንፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሰገን ኦባሳንጆ ኣብቲ ጉዳይ ተመዚዙ ንኽልተ ኣካላት ከቀራርብ ጸዊዑ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG