ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርትታት ኢትዮጵያ ንመዘክር ስምምዕ ከምዝድግፍ ገሊጹ


ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርትታት ኢትዮጵያ ዝተባህለ ጥርናፈ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈረመ መዘክር ስምምዕ ዝድግፍ መግለጺ ኣውጺኡ።

ዋና ኣካቢ`ቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ ደስታ ዲንቃ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያድ መርገጹኡ ከም ዘንጸባረቐ ገሊጹ`ሎ።

መንግስቲ ነቲ ስምምዕ “ ውጥረታት ብዘህድእን ነታ ሃገር ንጉድኣት ብዘየቃልዕ መንገድን” ክትግበር ከም ዘለዎ እቶም ፓርትታት ምግላጾም`ውን ጠቒሱ።

ብኻልእ ወገን ግን እቲ ኣሰሓሓቢ ስምምዕ ከም ዘሻቕሎምን ከም ዝቃወምዎን ዝግለጹ ኢትዮጵያውያን ኣካላት ኣለዉ።

እቲ ስምምዕ መዘክር ንልኡላውነተይ ዝጥሕስ`ዩ ትብል ሶማል ብወገና እቲ ሰነድ ተግባራዊ ንከይኸውን ዓለምለኸ ድጋፍ ምድላያ ቀጺላ`ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG