ኣብ ሓምሳ ክፍለ-ግዝኣታት ዩ-ስ ዝርከቡ ኣድመፅቲ ፅባሕ ሰሉስ ኣማሓደርቲ ክፍለ-ሃገራት፡ ከባቢያዊ ኣጀንዳታትን ኣብ ቤት ምኽሪ ዝጣበቑሎም ኣባላት ኮንግረስን ክመርፁ’ዮም።ኩሎም ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲን ሲሶ ኢድ ኣባላት ሰኔትን ኣብ’ቲ ፅባሕ ዝካየድ ምርጫ ሕፁያት’ዮም።ውጽኢት ናይ ፅባሕ ምርጫ - ኣብ መንጎ ብህዝቢ ቅድሚ ዓሚ ዝተመርፁ ፕረዚደንት ኦባማን፡ምምሕዳሮምን ኣብ ዝቅፅሉ ክልተ ዓመታት ንዘልዕሎም ኣጀንዳታት ክድግፉ ወይ ክቃወሙ ዝኽእሉ ደሞክራትን ሪፐብሊካዊያን ፓርቲታት ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ሚዛን ክቕይሮ ይኽእል’ዩ።