ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪፐብሊካውያን ንባይቶ ወከልቲ ኣሜሪካ ተቆፃፂሮምዎ


ሪፐብሊካውያን ኣብ‘ቲ ትማሊ ዝተሳለጠ ናይ ፍርቂ-ዘበን ሃገራዊ ምርጫ ልዕሊ ሓምሳ መናብር ስለዝተዓወቱ፣ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ዓብላሊ ፓርቲ ምኻኖም ኣረጋጊፆም።ብዘይካ‘ዚ ሪፐብሊካውያን ኣብ ሴኔት ዝነበሮም መንበር‘ውን ወሲኾም።እንተኾነ ዓብላሊ ፓርቲ ንምኻን የድልዮም ዝነበረ 10 መናብር ኣይረኸቡን።

ወዲ ኣብ ሓደ እዋን ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ዝነበሩ ሮን ፓወል ሪፐብሊካዊ ራንድ ፖል ንመወዳድርቱ ጃክ ኮንዋይ ኣብ ልፍለ-ግዝኣት ኬንታክይ ድሕሪ ምስዓሩ ንደገፍቱ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣እቲ ምርጫ መልእኽቲ የሕልፍ‘ሎ ምስበሉ እቲ መልእኽቲ፣ሓያልን ንፁርን‘ምበር ሕቡእ ዘይኮነ መልእኽቲ‘ዩ።መንግስቲ ናብ ኢድና ንምምላስ መፂና‘ለና ይብሉ ራንድ ፖል።

ትሑት መጠን ግብሪን ንእሽቶይ መንግስቲን ኣብ ትሕቲ ዝብሉ መበገሲታት ወፍሪ ምርጫ ዝገበሩ ሪፐብሊካውያን ኣብ መላእ‘ዛ ሃገር‘ዮም ተወሳኺ መናብር ረኺቦም።መጠን ወፃኢ ገንዘብ ንምንካይ ከምኡውን ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዘፅደቅዎ ውጥን ክንክን ጥዕና ክቅልበስ ቃል ኣትዮም‘ውን‘ዮም።

ሪፐብሊካውያን፣ነቲ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ሒዞምዎ ዝነበረ መንበር ሴኔተርነት ናይ ኢሊኖይ‘ውን ሒዞም‘ለው።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ዴሞክራሳውያን ኣብ ዝተወሰኑ ነቁጣታት ብፀቢብ ተዓዊቶም‘ዮም።ካብ ካሊፎርንያ ሰለስተ ጊዜ ኣባል ሴኔት ዩ-ስ ዝነበራ ባርብራ ባክሰር፣ኣንፃር‘ተን ሓላፊት ሄውሊት-ፓካርድ ዝነበራ ሪፐብሊካዊት ካርልይ ፍዮሪና ተወዳዲረን ክዕወታ ምኻነን ግልፂ ኮይኑ‘ሎ።ብዘይካ‘ዚ ንሪፐብሊካዊት ሜግ ዊትማን ዝሳዓሩ ጀርይ ብራውን ኣማሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ካሊፎርንያ ክኾኑ‘ዮም።ብዘይካ‘ዚ ሪፐብሊካዊያን ንፔንስልቫንያ፣ኦሃዮን ኒውሜክሲኮን ሓዊስካ ኣብ ዓሰርተ ውድድር ኣማሓደርቲ ክፍላተ-ሃገራት ተዓዊቶም‘ለው።

ኣብ ክፍለ-ሃገር ኔቫዳ ካብ‘ቲ ቲ-ፓርቲ ዝተባሃለ ኣብ’ዚ ቀረባ ዝጀመረ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ደገፍ ዝነበረን ሸሮን ኣንግል ሓያል ንሕንሕ ገጢምዎም ዝቀነዩ መራሒ ሴኔት ዩ-ስ ሃርይ ርዪድ ተዓዊቶም‘ለው።ኣብ ሓደ እዋን ኣማተር ቦክሰኛ ዝነበሩ ሃርይ ርዪድ ከቢድ ወፍሪ ምርጫ‘ዩ ፀኒሑኒ ኢሎም ይኣምኑ፣

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጎደናታት ነይሮም።ኣብ መጓሰጢ መድረኽ ነይሮም።ኣብ ሴኔት ዩ-ስ‘ውን ነይሮም።ሓቂ ንምዝራብ ግና፣እዚ እቲ ዝኸበደ ወፍሪ‘ዩ ነይሩ።ምስ‘ቲ ስድራ-ቤታት የሕልፍዎ ዘለው ፀገም ክነፃፀር ከሎ ግና፣ዘሕለፍኩዎ ሓያል ወፍሪ ዳርጋ ትርጉም ዘይብሉ‘ዩ ምባል ይካኣል ኢሎም ሃርይ ርይድ።

ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ዴለወር ደገፍ ቲ-ፓርቲ ዝኸሰበት ክርስትን ኦ-ዳነል ንሴኔት ዩ-ስ ዝጀመረቶ ወፍሪ ኣይሰለጠን።ተሳዒራ‘ላ።ሪፐብሊካዊ ኣባል ቤት ምኽሪ ጆን በይነር፣ንወ/ሮ ናንስይ ፔሎሲ ተኪኦም መራሒ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ክኾኑ‘ዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።ሚስተር በይነር ንገር ዝኣትዎ መፅባዓ ኣለኒ ዝበሉ እቶም መራሒ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ክኾኑ ትፅቢት ዝግበረሎም ቤይነር፣እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓድሽ ፀብለልታ፣ኣብ ቤት ምኽሪ ህዝቢ መቃልሕኩም ኮይኑ ከግልግል‘ዩ‘ኳ እንተበልኩ፣መንግስታዊ ኣጀንዳ ዝሕንፅፅ ግና ፕረዚደንት‘ዩ።ህዝቢ ኣሜሪካ እንተኾነ ሎሚ ምሸት ዘየማትእ መልእኽቲ‘ዩ ናብ ፕረዚደንት ዘሕልፍ ዘሎ።ኣንፈትካ ቀይር ዝብል መልእኽቲ’ዩ ኢሎም።

ረቡዕ ምሸት ናብ ሚስተር በይነር ስልኪ ዝደወሉ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ብዓወት ሪፐብሊካውያን እንኳዕ ኣሓጎሰኩም ክብሉ ከለው፣ኣብ መፃኢ ጊዜ ሓባራዊ መድረኽ ንምፍጣር ከምዝዕሩ‘ውን ሓቢሮም።

ኣብ መፋርቅ ጊዜ ኣብ ዝሳለጥ ምርጫ፣ኩሉ-ሻዕ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፓርቲ ስዕረት ይገጥሞ‘ዩ።ካብኡ ዝሓለፈ ግና ኣብ‘ዚ እዋን ኣጋጢሙ ብጠንቂ ዘሎ ድኹም ቁጠባ፣ዴሞክራስያዊያን ዘይተፀበይዎ ነገር ኣየጋጠሞምምን።

ሕፁያት ፓርቲ ሪፐብሊካውያን ኮይኖም ዝተዓወቱ ደገፍ ቲ ፓርቲ (ታክስድ ኢናፍ ኦልረድይ) ዝኣኽለና ግብሪ ከፊልና ኢና ከምዚምባል‘ዩ ዝብል ትርጉም ኣለዎ-ዝረኸቡ‘ዮም።እዚ ምንቅስቃስ‘ዚ፣ድሕሪ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ምርጫ ቅድሚ ዓሚ ምዕዋቶም‘ዩ ተመስሪቱ።መንግስታዊ ወፃኢ ይነኪ ግብሪ‘ውን ይኣክል ዝብል ቀሊል መልእኽቲ ኣለዎ ቲ-ፓርቲ። መብዛሕተኦም ሕፁያት ቲ-ፓርቲ ንነባራት ሪፐብሊካውያን እናሳዓሩ‘ዮም ናብ‘ዚ ናይ ትማሊ ምርጫ በፂሖም።

XS
SM
MD
LG