ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲሞክራትን ሪፑብሊካውያንን ብሓባር ካብ ምስራሕ ካልእ ኣማራፂ የብሎምን ተባሂሉ


ዲሞክራትን ሪፑብሊካውያንን ዝደለይዎ ንምፍፃም ዘኽእሎም ክልተ ሲሶ ድምፂ የብሎም ስለዚ ብእንካን ሃባን ብሓባር ካብ ምስራሕ ካልእ ኣማራፂ የብሎምን፣ እንተዘይኾይኑ ከምቲ ኣብ 1994 ብእዋን ፕረዚደንት ክሊንተን ዝነበረ ፖሎቲካዊ ምልማስ’ዩ ዝኸውን ይብሉ ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ኣብ ኒውጀርሲ ፕሮፌሰር ረዋን ዩኒቨርስቲ።

ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፓርቲ ክሰዓር እዚ ንመጀመርታ ጊዜ ኣይኮነን፣ መረፅቲ ንዘጋጥሞም ናይ ኢኮኖሚ ፀገማት ኣመፃፅእኡ መበገሲኡን ብዘየገድስ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ፓርቲ ዘይምዕጋቦም ብዝህብዎ ድምፂ'ዮም ዝገልፁ ክብሉ’ውን ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG