ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ ንግብጺ ይኸስስ


ወሃቢ ቓል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም
ወሃቢ ቓል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም

ግብፂ “ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ንኸይፍጠር ትሰርሕ ኣላ” ክብል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኸሲሱ። ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈረመ መዘክር ብዝምልከት ግብፂ ዝሓዘቶ መርገፂ ዝነቐፉ ወሃቢ ቓል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ካብ ኢትዮጵያ ንላዕሊ ንሶማል ክሕለቐላ እየ ምባል “ ከንቱ ኣውያት( ከንቱ ፈኸራ)” እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ግብፂ ዓብዱልፈታህ ኣል-ሲሲ ኣቐዲሞም “ዝኾነ ኣካል ንሶማል ከፈራርሕን ክጎድእን ኣይነፍቅድን” ክብሉ ምጥንቃቖም ዝዝከር እዩ።

ግብፂ ተመሳሳሊ መግለፂታት ምውፃኣ ከምዝቐፀለትሉ ዝገለፁ ኣምባሳደር መለስ እዚ ግን ንኢትዮጵያ ዘስግኣ ኣይኮነን‘ውን ኢሎም።

ንመርገጺ ግብፂ ዝተቓወመት ሶማሊላንድ “ግብፂ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕራ ንኸም ሱዳን፣ ሊብያን ቓዛን ዝበሉ ዝቐረቡ ጎረባብታ ንምህዳእ ክትሰርሓሉ ነተባብዕ” ኢላ።

ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2024 ምስ ሶማሊላንድ ነዚ መዘራረቢ ኮይኑ ዘሎ ስምምዕ መዘክር ድሕሪ ምፍርራማ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ወሲኹ ይርከብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG