ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሪደም ሃውስ ዲሞክራሲያዊ ነጻነትን ደረጅኡን ኣብ ዓለም ብዝምልከት ሪፖርት ኣውጺኡ


ፍሪደም ሃውስ ሪፖርት 2016
ፍሪደም ሃውስ ሪፖርት 2016

ዓለምለኸ ቁጠባዊ ዝሕታለን ስግኣት ማሕበራዊ ዘይምርግጋእን ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ፖለቲካዊ ዓፈና ሰበስልጣን መንግስታት ክሕይል ገይሩ ክብል ሓደ ሓድሽ ዓለምለኸ መጽናዕቲ ገሊጹ። ፍሪደም ሃውስ ዝተበሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣብ ዙሪያ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ኩነታት ዴሞክራሲያዊ ነጻነትን ደረጅኡን ብዝምልከት ናይ 2015 ዓ.ም.ፈ ሪፖርቱ ኣውጺኡ’ሎ።

ኩናት ሓድ-ሕድ ሶሪያን ካልኦት ከባቢታት ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ዘይምርግጋእን ኣብ ደረጃ ነጻነት እቲ ዝኸፍአ ክፋል ዓለም ገይሩዎ’ሎ።

ጸብጻብ ፍሪደም ሃውስ ግጭት ዝተካየደለን፣ፖለቲካውን ቁጠባን ጸገማት ዘለወን 72 ሃገራት ዝዳህሰሰ ክኸውን ከሎ ኣብ ዓለም ደረጃ ነጻነት ንተኸታታሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣንቆልቂሉ’ሎ ክብል ይገልጽ።

ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደብሩ ፍሪደም ሃውስ 50 ሃገራትን ግዝኣታትን ‘ነጻነት ዘይብለን’ ክብል መዲቡወን ኣሎ።ዝኸፍአ መግሃስቲ ካብ ዝፍጸመለን ቀዳሞት 10 ሃገራት ድማ ሶሪያ፣ርእሰ ምምሕዳራዊ ቲቤት ቻይና፣ ሶማል፣ ሰሜን ኮሪያ፣ኡዝበክስታንን ኤርትራን ተጠቒሰን ኣለዋ።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ተወሳኺ መብርሂ ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሃባ ኣብ ፍሪደም ሃውስ ዳይረክተር ነጻነት ፕረስ ጀነፈር ደንሃም ብዛዕባ ኤርትራ ከምዚ ይብላ።

‘ዝኸፍኣ ተባሂለን ካብ ዝተዘርዘራ ዓሰርተ ሃገራትን ግዝኣታትን ዝገምገምናዮም 210 ኣካላት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራን ሶማልን ኣብዚ ይምደባ።እዚ ማለት ድማ ኣብዘን ሃገራት ዘሎ ደረጃ ፖለቲካዊ መሰላትን ሲቪላዊ ሓርነትን ኣብ ዝተሓሳስብ ደረጃ ምብጽሑ እዩ።ዜጋታት መንግስቶም ኣብ ምምራጽ ድምጾም ኣይስማዕን።ዝኾነ ነጻ ርእይቶን ነቐፌታን ዝህብሉ መንገዲ የለን።’

ፍሪደም ሃውስ ኣብ ኢትዮጵያ ይፍጸሙ ኣለው ዝበሎም መግሃስቲ እውን ዘርዚሩ’ሎ።ኢትዮጵያ ንመርበብ ሓበሬታ እትከታተለሉ ዝረቐቐ መንገዲ ከምዘሎን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንምምዝባል ሓረስቶት ብምቅዋም ኣብ ዝሓለፈ ሕዳርን ታሕሳስን ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ንተቓወምቲ፣ ጋዜጠኛታት፣ንብሎገራትን ተሓለቕቲ መሰላትን ንምዕፋን ሕጊ ጸረ ሽብር ከም እተጠቀም ይገልጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይወስዶም ንዘለው ስጉምትታት መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ዝሃቦ ግብረ መልሲ፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ይፍጽሞም ብዘሎ መግሃስትታት ተሓታቲ ኣብ ክንዲ ምግባር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምድጋፉ ዘጉሂ እዩ ይብላ ጀነፈር ደንሃም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፍሪደም ሃውስ ዲሞክራሲያዊ ነጻነትን ደረጅኡን ሃገራት ዓለም ብዝምልከት ሪፖርት ኣውጺኡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:45 0:00

XS
SM
MD
LG