ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ካብ “ከፊል ናጻ” ናብ ደረጃ “ምሉእ ንምሉእ ዘይናጻ” ወሪዳ-Freedom House


ቀንዲ ምኽንያት ምንቁልቋል ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ግንቦት ዝተኻየደ ምርጫ ምዃኑ፡ ኣብ`ቲ ትካል ሓላፊ ምጽናዕቲ ሰብኣዊ መሰል Arch Puddington ገሊጾም

Mr. Puddington ኣብ`ቲ ምስ ቪኦኤ ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ትሕቲ ቐዳማይ ምንስተር መለስ ዜናዊ ትመሓደር ኢትዮጵያ፡ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ኻብ ደሞክራሲ እናረሓቐት `ኳ እንተኾነት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ደረጃ “ኸፊል ናጻ” ዝብሃላ ሃገራት`ያ ጸኒሓ፡ ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ ግና፡ ብምኽንያት ዝሓለፈ ምንጫ፡ ኣብ “ናጻ ዘይኮና ሃገራት” ድልድል ኣትያ`ላ ኢሎም።

ኣተሓሒዞም፡ መስርሕ ደሞክራሲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንቆልቁሉ ዝበሉሉ ምኽንያት ክገልጹ ኸለዉ፡ ነቲ ምርጫ ዝተኸታተሉ ናጻ ተዓዘብቲ፡ እቲ ምርጫ ናጻ ኣይነበረን ምባሎምን፡ ኸምኡ`ውን ዝተደናገረ`ዩ ኔሩ ብምባሎም`ዩ ኢሎም። “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መሓውር ዜና ዘለዎ ምቁጽጻር፡ ንደገፍቲ ተቓወምቲ ምእሳር፡ እዚ ኹሉ፡ እታ ሃገር ናብ ዘይፍትሓዊ ምምሕዳር ትግስግስ ከምዘላ ዘርኢ`ዩ”።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሎሚ ተሟገቲ ሰብኣዊ መሰል ዘቕርብዎም ክስታት፡ መሰረት ዘይብሎም`ዮም እናበሉ ኽነጽግዎም ጸኒሖም`ዮም።

ንምሉእ ትሕዝቶ ሪፖርት፡ ንምልክት ድምጺ ጠውቕ፡

XS
SM
MD
LG