ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ናይ ኢንተርነት ናጽነት ዘይብላ ሃገር ተባሂላ


china police on internet
china police on internet
Freedom House chart
Freedom House chart

ፍሪዶም ሃውስ(Freedom House) ዝተባህለ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ተሓላቒ ናጽነት ኢንተርነት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ጸብጻቡ፡ ኢትዮጵያ ካብ ሶርያ፡ ዒራቕን ቻይናን ቀጺላ ምንም ዓይነት ናጽነት ኢንተርነት ዘይብላ ሃገር`ያ ክብል ጸዊዕዋ`ሎ።

ኣብ ፍሪደም ሃውስ ኦፊሰር ጉዳይ ክፍሊ ኣፍሪቃ ዝኾነት ማይ ትራንግ፡ ብዛዕባ ናጽነት ኢንተርነት አብ ኢትዮጵያ ንቪኦኤ ክትገልጽ ከላ “ ኢትዮጵያ ካብተን ዝኸፍአ ዓፈና ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት ሓንቲ`ያ፡ እዚ ድማ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራሕ ብምንጽጻር ዘይኮነስ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ምስ ዘለዋ ሃገራት ክትነጻጸር ከላ ዘርእዮ ነገር ንሱ`ዩ” ኢላ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት 2% ጥራይ ምዃኑ ዝጠቐሰት ክኢላ ፍሪደም ሃውስ፡ “እቲ 2%'ውን ብመንግስቲ ተጽዕኖ ይግበረሉ” ኢላ። ኣተሓሒዛ፡ ኣብ ኢንተርነት ንመንግስቲ ነቒፎም ዝጽሕፉ ድማ ይእሰሩ ኢላ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢትዮጵያ ናይ ኢንተርነት ናጽነት ዘይብላ ሃገር ተባሂላ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:04 0:00

XS
SM
MD
LG