ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፀብፃብ ፍሪደም ሃውስ ኣተሓሕዛ ፖለቲካውን ስቪላውን መሰላት ዓለም


ၤFreedom House
ၤFreedom House

ዝሓለፈ ናይ ኣውሮፓዊያውን ዓመት ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣተሓሕዛ ፓለቲካዊን ስቪላውን መሰላት ዘንቆልቆለላ ከምዝነበረት Freedom House ዝተብሃለ ጉጅለ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ዝኸፍአ መግሃስቲ ናይ ዝፍፀመለን ሃገራት ኣብ ዘውፅኦ ደርጃ ሶሪያ ቀዳመይቲ ሰሪዑዋ’ሎ።ካብ ኣፍሪካ ድማ ንኤርትራን ሱማሊያን ይጠቅስ። ዝሓለፈ ናይ 2014 ኣውሮፓዊያን ዓመት ብፍላይ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣሸበርቲ ብዝፈነውዎም መጥቓዕታት፣መንግስታት ከምኡ እውን ዓመፅቲ ብዝፍፅምዎም ዓፈናታት ዴሞክራሲያዊ መሰላት ዝኸፍአት ዓመት ነይራ ብመሰረት ፀብፃብ እቲ ጉጅለ።

ኣብ FREEDOM HOUSE ምኽትል ፕሬዝዳንት ክፍሊ መፅናዕትን ምርምርን ኣርች ፑዲንግተን ተስፋ ካብ ዘፀልምቱ ፍፃመታት ሓደ ምስፍሕፋሕ ሽበራ እዩ ምስ በሉ ‘’ቅድሚኡ ምስ ዝነበሩ ዓመትታ ብምውድዳር ሽበራ ኣብ ከይዲ ዴሞክራሲ ዕንቅፋት ዝፍጠረሉ ከም ናይ ዝሓለፈ 2014 ዓመት ኣይርኣናን’’ኢሎም።

FREEDOM HOUSE ኣብ ሪፓርቱ ሶሪያ ካብ ዓለም ዝኸፍአ ፖለቲካዊን ስቪላውን ነፃነታት ዝጥሓሰላ ቁፅሪ ሓደ ኢሉ ክምድባ ከሎ ካብ ኣፍሪካ ድማ ኤርትራ፣ሱማሊያ፣ኢትዮጵያ፣ሪፓብሊክ ማእኸይ ኣፍሪካ ካልኦትን ኣብቲ ዝርዝር ጠቒሱወን’ሎ።

ጀነፈር ደናም ኣብ FREEDOM HOUSE ሓላፊት ክፍሊ መራኸቢ ብዙሃንን ዴሞክራሲያዊ ነፃነታትን እየን።’’ንሰን ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝኸፍአ ኣተሓሕዛ ካብ ዝለወን ሃገራት ኤርትራን ሱማሊያን ይጥቀሳ።ብዙሕ ከይረሓኽካ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ይስዕባ’’ኢለን።

ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ህይውማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብዘውፅኦ ፀብፃብ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 19 ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ገሊፁ’ሎ።ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈትሑ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ከይሓወሰ ሎሚ እውን 16 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ከምዝርከቡ እቲ ትካል ይገልፅ።ናይዞም ጋዜጠኛታት ምፍታሕ ኣብ ናይ ኤርትራ ደረጃ ነፃነት ዘምፅኦ ለውጢ ከምዘየለ ይገልፃ ጄኒፈር ደናም።

እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሃን ዘንበሮ እገዳ ምልዓሉ ዘረጋግፅ ሓቀኛ ድልየት ከምዘሎ ክሳብ ዘየርኣየ፣ክመሓየሽ እዩ ዝብል ሪኢቶ የብለይን ኢለን ብምውሳኽ።

ዝሓለፈ ናይ ኣውሮፓዊያን ዓመት ኣብ ኣፍሪካ ዝኸፍአ ዓፈናታት ነፃነታት ፖለቲካን ስቪልን ዝተርኣየሉ ምዃኑ ፍሪደም ሃውስ ይገልፅ።ካብ መንጎ እዚአን ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪካ፣ደቡብ ሱዳን፣ምዕራብ ስሃራ፣ኢኳተሪያልን ጊኒ ገሊአን እየን።

ምብራቕ ኣፍሪካ እውን ምንቁልቋል ዝተርኣየሉ ኮይኑ ሓሊፉ’ሎ 2014 ኣ/ፈ።ቅድሚ ሎሚ ብኽፋል ነፃ ተባሂለን ዝነበራ ኡጋንዳን ብሩንዲን ሎሚ ኣብ ዝርዝር ነፃነት ዘይብለን ሃገራት ኣትየን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG