ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ዓለም-ለኸ ነፃነት ፕረስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ' -፡ ፍሪዶም ሃውስ


Freedom House world map in 2014
Freedom House world map in 2014

ዓለም-ለኸ ነፃነት ፕረስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ምውራዱ ሓደ ንሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ዓለም-ለኸ ጉጅለ ኣፍሊጡ።

ፍሪዶም ሃውስ (Freedom House) ዝተብሃለ ትካል ኣብ ዘውፅኦ ዓመታዊ ፀብፃብ ጋዜጠኛታት ኣብ ዙሪያ ዓለም ካብ ውልቀ መለኽቲ መንግስታት፣ ኣሸበርቲን ወነንቲ ማዕኸናይ ዜናን ሓዊሱ ደረት የጋጥሞም ኣሎ ኢሉ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ነፃነት ፕረስ ብምዕፋን ኣብ ዝተሓተ ዝርዝር ካብ ዝተሰርዓ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ እተን ክልተ'የ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲራ እትርከብ ጋዜጠኛ ሪኢዮት ኣለሙ መንግስቲ ንኽፈትሓ ዩናይትድ ስቴትስ ሓቲታ።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ጄፍ ራትካ ሎማዕንቲ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ከምዚ ኢሎም።

"ፍሪላንስ ጋዜጠኛን መምህር ኢንግሊዝኛ ካልኣይ ብርክን ዝበነረት ሪኢዮት ኣለሙ ኣብ 2012 ኣ/ፈ ብናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ፀረ ሽብር ምስተፈረዳ ተኣሲራ ትርከብ።ምስ ስርሖም ብዝተኣሳሰረ ኣብ ማእሰርቲ ካብ መንጎ ዝርከቡ 18 ጋዜጠኛታት ሓንቲ እያ፤እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብታ ኣህጉር ዝዓበየት ይገብራ።"

ሪኢዮት ንፖሊስታት መንግስቲ ዝነቅፍ ፅሑፍ ብምፅሓፋ ኣብ ሰነ 2011 ኣ/ፈ ተኣሲራ ምስ ሽብር ብዝተኣሳሰረ ኽሲ 14 ዓመታት ተፈሪዱዋ ከምዝነበረን ይግባይ ብምባላ ናብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ከምዝወረደን ወሲኾም ሓቢሮም። እቲ ኽሲ ንኽስረዝ ዘቕረበቶ ይግባይ ተነፂጉ ኣብ ማእሰርቲ ከምእትርከብ ብምግላፅ ሓሳብ ብምግላፃ ጥራሕ ንዝተኣሰረት ሪኢዮት መንግስቲ ክፈትሓ ንፅውዕ ኣለና፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንፀረ ሽብር ሕጊ ሓሳብካ ናይ ምግላፅ ነፃነት ንምድራት ከም መሳርሒ ካብ ምጥቓም ክቑጠብ እውን ንፅውዕ ኣለና ኢሎም ኣቐባሊ ቃል ጄፍ ራትካ።

ተወሳኺ ፃብፃብ ፍሪዶም ሃውስ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠዉቁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:53 0:00

XS
SM
MD
LG