ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ተቃውሞ ደጊፍኹም ዝተባህሉ ሰባት ተአሲሮም ይብሉ ነበርቲ - ምምሕዳር ግን ንፈልጦ ነገር የለን ይብል


ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሆሮ ገድሩ ወረዳ ጃርደጋ ጃርቴ ፖሊስ’ቲ ወረዳ ቅድሚ ሎሚ ንዝተኻየደ ተቃውሞ ሰልፍታት ደጊፎም’ዮም ኢሎም ንዝሓሰብዎም ሰባት ኣኺቦም ኣብ መደበር ፖሊስ ኣሲሮም። እቶም እሱራት ኸአ መግቢ ናይ ምሕሳም አድማ ጌሮም ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም።

ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ዘዘራረቦም ሰባት ብዛዕብኡ ከምዚ ይብሉ።

‘ ካብ ሶኑይ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ተአሲሮም ዘለዉ ለይቲ ጥራይ ንሽቃቕ የውጽእዎም። ኣብ መዓልቲ ግን ምሉእ መዓልቲ’ዮም ዓጽዮሞም ዝውዕሉ ንምርመራ’ኳ አየዘራርብዎምን። ልዕሊ 25 ዝኾኑ ሰባት’ዮም’ ይብል።

ወኪል ኣማሓዳሪ’ቲ ወረዳ ኣቶ ፈዮራ ሶራ ግን ዝፈልጦ ነገር የብለይን ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ተቃውሞ ደጊፍኹም ዝተባህሉ ነበርቲ ምእሳሮም ነበርቲ ይገልጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:46 0:00

XS
SM
MD
LG