ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርሲቲ አዋሳን ካልኦት ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ተቃውሞ ቀጺሉ ይብሉ ነበርቲ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዘቑጸረ ተቓውሞ ክልል ኦሮምያ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ሎሚ’ውን ቐጺሉ ምህላው ጸብጻባት ይሕብሩ’ለው።

ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ አብ ዩኒቨርሲቲ አዋሳ ተቓውሞ ምንባሩን ተማሃሮ ምእሳሮምን ብዓይነይ ርእየ ዝበለ ተማሃራይ ገሊጹ። ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ፕረዝደንት ብወገኖም ተቓውሞ ዘለዓሉ ተማሃሮ ካብ 30 ዘይበዝሑ ምኳኖም ገሊጾም።

ብካልእ ወገን አብ ጉጂ ዞን አብ ወረዳ ሊበን ነበርቲ ኻብ ናይ ገጠር ቀበሌታት ከይተረፈ እንዳተወሰዱ ይእሰሩ ከምዘለዉ ነበርቲ ይገልጹ። ፖሊስ እቲ ክልል ግን ዝተአሰረ ሰብ የለን ይብል።

XS
SM
MD
LG