ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ኣብ ኦሮምያን ካልኦት ከባቢታት ንዝተፈጠረ ቅሬታ ህዝቢ መንግስትን ፓርትን ሓላፍነት ይወስድ’ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ


ፋይል- ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ፋይል- ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ

ኣብ ኦሮሚያ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ናይ ህዝቢ ቅሬታ መንግስቶምን ፓርቶምን ሓላፍነት ከምዝወስዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣፍሊጦም።

ሎሚ መዓልቲ ሓሙስ ንፓርላማ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ቀ/ሚ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣካል ከምዘየሳብቡ ተዛሪቦም ኣለው።ንዝተለዓሉ ሕቶታት ቐልጢፍና ምላሽ ብዘይምሃብና ምስ ህዝቢ ኣብ ቅርሕንቲ ንኣትው ኣለና ኢሎም።

ኣቦ መንበር ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያን ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ጉዳይ ንጥፈታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ መንግስቶም ንፓርላማ ኣብ ዝሃብሉ መብርሂ ብዛዕባ ደም ዘፋሰሰ ናይ ኦሮሚያ ተቓውሞ ብትሕዝቱኡ ዝተፈለየ፣ብኣቀራርብኡ ድማ ዝተለሳስለሰ እዩ።

ንዝቐረበ ሕቶ መልሲ ምሃብ ዝጀመሩ መንግስቶም ፓርቲኦም ኣብቲ ጉዳይ ምሉእ ሓላፍነት ከምዝወስዱ ብምሕባር ነይሩ።

‘ሎሚ ይኹን ደጋጊምና ንብሎ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣካል ኢድና ካብ እነወጣውጥ ወይ ካብ እንጥምት እቲ ሽግር ናይ ባዕልና ምዃኑ ሕጂ እውን ክነስምረሉ ይግባእ’ ኢሎም።

ኣብ ኦሮሚያን ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ቅርሕንቲ ክፍጠር ዝኽኣለ ጸገም መንግስቶም ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ገሊጾም።

‘ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ብልሽውና፣ንናይቲ ህዝቢ ሕቶታት ቐልጢፍና ምላሽ ስለዘይሃብና ምስ ህዝቢ ኣብ ቅርሕንቲ እናኣተና መጺኢና ኣለና።ዝተፈጥረ ቅርሕንቲ ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ናብ ግጭት ዓብዪ እዩ።’

ምኽንያት ቅርሕንቲ ጸገም ሰናይ ምምሕዳር ምዃኑ ዝሓበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም እቲ ጸገም ኣብ ኩሉ ከባቢ እታ ሃገር ዘጋጠመን ዘጋጥም ዘሎን እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG