ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማቻር ክልል ኦሮምያ ካብ ዝቆሰሉ 17 'ቶም 4 ሞይቶም ይብሉ ሰብ ሞያ ጥዕና ሆስፒታል ነበርቲ ግን ዝሞቱ 16'ዮም ይብሉ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ሳልሳይ ወርሑ ዝሓዘ ህውከት ሎሚ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ቀጺሉ ከምዝወዓለ ይንገር’ሎ።

ኣብ ኦሮምያ ከተማ ማቻራ ትማሊ ሰልፊ ምክያዱ እቲ ሰልፊ ብተማሃሮ ተጀሚሩ ደሓር ግን’ቲ ሕብረተሰብ ከምተጸንበሮ ዝገለጹ ሓደ ነባሪ ናይ አካልን ህይወትን ጉድአት ከምዘጋጠመን’ውን ሓቢሮም ፡ ካብ ሆስፒታል ገለምሶ ዝተረኽበ ሓበሬታ ድማ 17 ዝቆሰሉ ሰባት ናብቲ ሆስፒታል ከምዝመጹ ካብኣቶም እቶም 4 ብኡንብኡ ከምዝሞቱን ካልኦት 4 ድማ ናብ ኣዳማ ሆስፒታል ከምዝተለኣኹ ሓቢሮም’ለው።

‘ኣስማቶም ሓደ ብሓደ ክገልጽ’ዃ እንተዘይከአልኹ ዝተቐትሉ ኣርባዕተ ጥራይ ኣይኾኑን ምሟቶም ዝተረጋገጸ 16 ሰባት’ዮም። ኩሎም ኸአ ብጥይት ተወቂዖም’ዮም ሞይቶም' ይብሉ ሓደ ነባሪ’ቲ ከባቢ።

ሓፍቱ ንካብ መንጎ’ቶም ዝተቀትሉ ሓሰን ዓብደላ ዝተባህለ መንእሰይ ወ/ሮ ፍጥማ ዓብደላ ሓዋ ብድሕሪት ርእሱ ብዝሃረሞ ጥይት ብግንባሩ ወጺኡ ኣብ ጥቃአ ከምዝወደቐ ትሕብር።

ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝተካየደ ፈተነ ኣይተዓወተን።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG