ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮሚያ ዝተለዓለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሎሚ’ውን ከምዝቐጸለ ተሓቢሩ


ምቅጻል ቤት ማእሰርቲ አምቦ
ምቅጻል ቤት ማእሰርቲ አምቦ

ኣብ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝርከብ ኣዋሮ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ሓደ ወዲ 9 ዓመት ብጥይት ከምዝሞተን ንዕኡ ንምልዓል ዝፈተነት ሓፍቱ ድማ ኣብ እግራ ብጥይት ከምዝተወቕዐትን ስሞም ክግለጸሎም ዘይደለዩ ነባሪ’ቲ ከባቢ ገሊጾም።

ኣብ ከተማ ኣምቦ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብሓዊ ይባራዕ ከምዘሎ እውም እቶም ነባሪ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳ ሻሸመኔ ኣብ ጣቢያ ደጎሌ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ብሓዊ ከምዝተባርዐን ኣጄ ኣብ ዝተባሃለ ከባቢ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ተሰይሩ እሱራት ክውጹ ከምዝተገብረ፣ኣብ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ ድማ ተቓውሞ ምቕጻሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብጌጋ ግን ከኣ ግቡእ ሕቶ መሰል ዘቕረቡ ክፍትሑ እዮም፤በቲ ጎንጺ ጉድኣት ዝወረዶም ድማ ክንክን ክግበረሎም እዩ ኢሎም።

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ሓድነትን ምክእኣልን ክሰፍን ጸዊዑ’ሎ።

ተቓዋሚ ፓርቲ መድረክ ዝሓተትናዮ ሰልፍን ኣኼባን ተኸሊእና ክብል መረርኡ ገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮሚያ ዝተለዓለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሎሚ’ውን ከምዝቐጸለ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:14 0:00

XS
SM
MD
LG