ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ሕቶ መንነትን ምምሕዳርን ሰጊሩ ይብሉ በዓልስልጣን ተቓወምቲ ፓርቲ


ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ኸባቢ ሻሸመኔ ህዝቢ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ምፍጣጥ ኣትዩ ከምዘሎ ነበርቲ ይገልጹ። ሰራዊት 'ኣግኣዚ' ኣብቲ ኸባቢ ከምዘሎ'ውን ሓቢሮም።

'ትማሊ ንሓደ ወያ ዝብሃል መምህር 'ንስኻ ዲኻ ትገብሮ ዘለኻ' ኢሎም ቀቲሎሞ፡ ኣስከሬኑ ርእየዮ' ይብል ሓደ ሽሙ ክነግር ዘይደለየ ነባሪ።

ብኻልእ ወገን ፡ ህዝቢ ብዘይመረጽናዮ መንግስቲ ክንመሓደር ኣይንደልን ኢና ኢሉ ይቃወም ከምዘሎ ሓደ በዓል-ስልጣን ተቓወምቲ ገሊጹ። ኣባል ፈጻሚ ኮሚቴ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ጥሩነህ ገመሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ “ደቅና ክሳብ ዝቐተልኩምልና ንዓና ክትመርሑና ኣይትኽእሉን ኢኹም ይብሉ ኣለው" ኢሉ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG