ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርባዕተ ወርሑ ዘቑጸረ ተቓውሞ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ምስቀጸለ`ዩ


ኮንሶ
ኮንሶ

ኣርባዕተ ወርሑ ዘቑጸረ ተቓውሞ ሕጂ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ከምዝቐጸለ ይግለጽ ኣሎ። ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ዘዳለዎ ጸብጻብ ኣብ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ዞባ ወለጋ ኒጅጋ ኸተማ ልዕሊ 30 ነበርትን ተማሃሮን ከምተአሰሩ ይገልጽ።

ኻብ መንጎኦም ክልተ ዝሓለፈ ቐዳምን ሰንበትን ቤት ፍርዲ ቐሪቦም ንህዝቢ አለዓዒልኹም ብዝብል ገበን ንክልተ ወርሒ ማእሰርቲ ከምተፈርዶም ተገሊጹ’ሎ።
ነበርቲ ሕጂ’ውን ኣብታ ኸተማ ሰላም የለን ይብሉ’ኣለው። ፖሊስ ብወገኑ ኹሉ ሰላም’ዩ ዘሎ ይብል።

ብኻልእ ወገን ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ኮንሶ ወረዳ ባህላዊ ንጉሶም ዝርከቦ 200 ሰባት ከምተአሰሩ ሓደ አባል ኮሚቴ ኮንሶ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ኣቶ ገመቹ ገንፌ እቶም አባላት ኮንሶ ምእሳሮም ጥራይ ከይአኽል ክእሰሩ ኸለው ናይ ባህሊ ክዳኖም ምግፋፉ ንህዝቢ አበሳጭዎ’ዩ ኢሎም።
ኮንሶ ካብ ወረዳ ናብ ዞባ ንክቕየር ልዕሊ 55 ሺሕ ፊርማ ኣተአኻኺቦም ብወከልቶም ኣቢሎም ሕቶ እንተቐረቡ’ዃ ካብ ሰበ-ስልጣን ምላሽ ኸምዘይረኸቡ ኣቶ ገመቹ ገንፌ ወሲኹ ሓቢሩ።
XS
SM
MD
LG