ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምብራቕ ሸዋን ምብራቕ ወለጋን ብዝቐጸለ ተቓውሞ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ጀልዱ ወረዳ ከተማ ሹኩቴ፡ ወተሃደራት መንግስቲ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ፡ንሓደ `ቦጃ ቃበታ` ዝብሃል ውልቀ-ሰብ ቀቲሎም ንሓዉ `ወርቁ ቃበታ` ከምዘቑሰሉ ሽሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ነበርቲ ንቪኦኤ ሓቢሮም።

ኣዛዚ ፖሊስ`ቲ ኸባቢ ኣጻርየ መልሲ ክህብ`የ ብምባል መሊሱ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ምብራቕ ወለጋ ጁማ-ኣርጆ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምሸት ናብ ገዛውቲ ሓረስቶት ሰይሮም ብምእታው፡ ንሰለስተ ሓረስቶት ከምዝቐተሉ ሓደ ነባሪ`ቲ ኸባቢ ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG