ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ይቅሬታ ይሓትት


ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያን ካልኦት ክልላትን ንዝተኸሰተ ኩነታት፣ ይቅሬታ ሓቲቶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ፖሊሲ ግን ኣይተለወጠን ኢሎም።

ተቃወምቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ጉድኣት ዝወረደ መንግስቲ ልዕሊ ዓቀን ስጉምቲ ብምውሳዱ’ዩ ይብሉ። መንግስቲ ግና፣ ተሓተቲ፣ ናይ ውሽጢን ወፃእን ሓይልታት ፀረ-ሰላም’ዮም ከምዝብል ዝዝከር’ዩ።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ‘ግቡእ ሕቶ ህዝቢን ንድልየት መንእሰያት ኣንፈቱ ንምስሓት፣ ሓይልታት ፀረ ሰላም፣ ፀበብትን ትምክሕተኛን፣ ንዋህዮታቶም ኣበጊሶም ኣብ ልዕሊ ንብረት ህዝቢን መንግስቲን፣ ከምኡውን ንመዋእል ሓቢሮም ንዝነበሩ ህዝቢታት ንምልታም ኣብ ዝገበርዎ ፃዕሪ ጉድኣት ወሪዱ’ሎ። ሳላ ፃዕሪ ህዝቢ ግና ፈሺልዎም’ዮ። ፈደራላዊ መንግስቲ በቲ ዝተፈጠረ ነገር፣ ይቅረታ ይሓትት’ ኢሎም።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም፣ ብዛዕባ ኤርትራ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ ‘ፖሊሲና ንፁር’ዩ። ንዝፍፅማ ሕድ-ሕድ ተግባር፣ ብመሰረት ዓለም-ለኸ ሕጊ ተመጣጣኒ ስጉምቲ እናወሰድና ክንቅፅል ኢና ኢልና ኢና። ዶብ ሰጊሮም ንዜጋታትና ሓፊሶም ነይሮም። ስልጥ ኢሎም መሊሶምዎም ኣለው። እንተዘይምልስዎም ነይሩ፣ እንታይ ከምዝስዕቦም ካብ ፖሊሲና ፈሊጦም’ዮም’ ኢሎም።

ነዚ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣብ’ዚ ቀረባ መግለፂ ዘውፀአ መንግስቲ ኤርትራ ‘ነቲ ህውከት ኤርትራ ወይ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣበጊሶም ኣልዮሞ ምባል ሂስተርያዊ ዘመተ’ዩ፣ ነቲ ሓቂ ኪዓብጦ ኣይክእልን። ስቕ ጥዑም’ኳ እንተዀነ፡ ሓሶት ኪበዝሕን ከጋልብን ከሎ፡ ሳሕቲ ሓቂ ምንጋር ስለዘድሊ’ምበር፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናይ ቈይቊ ዘመተ ኪዕደም ድልየት የብሉን’ ከምዝበለ ዝዝከር’ዩ።

ቀ/ሚ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ኣብ’ቲ ትማሊ ናብ ፓርላማ ኣብ ዘቅረብዎ ሪፖርት፣ ንካልኦት ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት’ውን ኣልዒሎም ነይሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ይቅሬታ ይሓትት
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:05 0:00

XS
SM
MD
LG