ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተማሃሮ አዳማ ዩኒቨርሲቲ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ አካይዶም ይብሉ ገለ ተማሃሮ


ኣዳማ ዩኒቨርሲቲ
ኣዳማ ዩኒቨርሲቲ

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ከተማ አዳማ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ አዳማ ትማሊ ምሸት ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ተቃውሞ ከምዘካየዱ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ገሊጾም።

ፖሊስን መኸላከሊ ሰራዊት ናብቲ ቀጽሪ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ኣትዮም ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ማህረምቲ ኣካይዶም ክብሉ ገሊጾም።

ፕረዝደንት’ቲ ዩኒቨርሲቲ ግን ብዛዕባ’ቲ ሰልፍን ተፈጺሙ ዝተባህለ ማህረምትን ሪፖርት ከምዝበጽሖም ግን ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ከብርሁ ከምዘይኽእሉ ንክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ገሊጾም።

ኣብ ዞባ ቀለም ወለጋ ጅማ ሆሮ ከተማ ኑኑ ተቃውሞ ሰልፊ ወዲብኩም ዝተባህሉ ነበርቲ ብሓይልታት ጸጥታ’ቲ ከባቢ ይእሰሩ’ለው ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ተማሃሮ አዳማ ዩኒቨርሲቲ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ አካይዶም ይብሉ ገለ ተማሃሮ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:38 0:00

XS
SM
MD
LG