ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኣርባዕተ ኣባላት ኦፌኮ ክንረኽቦም ኣይከኣልናን ይብሉ ስድራቤቶም


Oromo Federalist Congress (OFC)
Oromo Federalist Congress (OFC)

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሲ ግብረ-ሽበራ ዝቀረቦም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኣርባዕተ ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሮም ኣበይ ከምዝአተው ክንፈልጥ ኣይከአልናን ክብሉ ስድራቤቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ካብቶም ተአሲሮም ዘለዉ ኣባላት ኣመራርሓ ተቃዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ሓደ ናይ ዝኾኑ ኣቶ ጉርሜሳ አያኖ በዓልቲ ቤት ወ/ሮ ኣይናለም ደበለ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልኦ 'እቶም እሱራት መጀምርያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማእከላዊ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከምዝጸንሑ ናይ መወዳእታ ቆጸራ ኢሎም ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ሂቦም ከብቕዑ ንግሆ ቁርሲ ከነብጽሕ ኬድና ክንረኽቦም ግን ኣይከአልናን ደሓር ድሕሪ ቀትሪ ናብ ቤት-ፍርዲ ልደታ ምስ ከድና ኣብኡ ኣትዮም ጸኒሖምና' ይብላ።

እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርኸቡ ኣባላት ኣመራርሓ ተቃዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ጉርሜሳ ኣያኔው፡ ኣቶ ደጀኔ ጣፍ፡ ኣቶ አዲስ ጉላላን ኣቶ በቀለ ገርባን እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምብጻሕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG