ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሂላሪ ክሊንተን ቀዳመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ ፕረዝደንታዊ ሕጽይቲ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኣሜሪካ ኮይነን


ሂላሪ ክሊንተን ቀዳመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ ፕረዝደንታዊ ሕጽይቲ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኣሜሪካ
ሂላሪ ክሊንተን ቀዳመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ ፕረዝደንታዊ ሕጽይቲ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኣሜሪካ

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ዝነበራ ሂላሪ ክሊንተን ትማሊ ሶሉስ ድሕሪ ምዕዋተን ቀዳመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ ፕሬዝዳንታዊት ሕፅይቲ ቀንዲ ፖለቲካዊ ፓርቲ ኣሜሪካ ክኾና እየን።

ካብ ናይ ቬርሞንት ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ንኣዋርሕ ልዕሊ ትፅቢትን ከቢድን ፈተና ክጋጥመን ድሕሪ ምፅንሑ ሂላሪ ክሊንተን ፕሬዝዳንታዊ ሕፅይቲ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ንክኾና ትማሊ ሶሉስ ምሸት መንገዲ ፀሪገን ኣለዋ።

‘ሳላኹም ንመጀመሪያ ግዜ፣ኣብ ታሪኽ ሃገርና ንፈለማ እዋን ጓል ኣንስተይቲ ፕሬዝዳንታዊ ሕፅይቲ ቀንዲ ፖለቲካዊ ፓርቲ ኣሜሪካ ክትኸውን ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ በፂሕና ኣለና።’

ደገፍቲ ፕረዝደንታዊ ሕጽይቲ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ከተማ ኒውዮርክ 19 ሚያዝያ 2016.
ደገፍቲ ፕረዝደንታዊ ሕጽይቲ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ከተማ ኒውዮርክ 19 ሚያዝያ 2016.

ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ዝቕፅል ዝካየድ ኮንቬንሽን ዘድልዩወን ብዝሒ ልኡኻት ኣረጋጊፀን ኣለዋ።

ንሰን ብተወሳኺ ‘’ዴሞክራሲያዊ ሶሻሊስት’’ ኢሎምን ንገዛእ ርእሶም ብምፅዋዕ ዘይምዕሩይ ኣታዊ ንኸብቅዕን ክንክን ጥዕና ንኹሉ ንኽባፃሕን ቀንዲ መልእኽቲ ወፍሪ ምረፁኒ ብምግባር ንቐልቢ ሚሊዮናት ኣድመፅቲ ዝስሓቡን ዘነቓቕሑን በርኒ ሳንደርስ ናእድአን ገሊፀን ሂላሪ።

ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ መን ይኹን ዝብል ውድድር ናብ መወዳእታ ገፁ ይቀረባብ ኣብዘለሉ እዋን ሕጂ ክሊንተን ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ትኹረት ክገበራ እየን።ሃብታም ነጋዳይ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ናይ ንግዲ ትካሎም ንዝቐረበ ኽሲ ቤት ፍርዲ ይመርሑ ንዘለውን ሜክሲካዊ ዘርኢ ዘለዎን ናይ ኣሜሪካ ፌደራል ዳኛ ክብሪ ዝትንክፍ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቦም ካብ ኣባላት ዴሞክራሲያዊን ሪፓብልካዊያንን ፓርትታት በሊሕ ነቐፌታ ይቐርቦም ኣሎ።

ትራምፕ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ኣብዘስምዕዎ መደረ ነቲ ኣሰሓሓቢ ጉዳይ ዳኛ ብቐጥታ ኣይተነከፉዎን።

‘ሰባት ናብ ሓደ ንምምፃእ እዩ ናይ ኩልሻዕ ሸቶይ።ብዛዕባ ዘገድሰኒ ሓደ ነገር ከቃልዕ እንተድኣ ተገዲደ ንድሕሪት ኣይብልን እየ።ሃገርና ፈፂማ ንድሕሪት ኣይክትብልን እያ።’

ኣብ ዓመተ 2016 ዋይት ሃውስ ንምእታው ኣብ ዝካየድ ንሕንሕ ሕፁያት ዝውሰን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝካየዱ ሃገራዊ ዋዕላ ፓርቲ እዩ።ሂላሪ ክሊንተንን ሕፅይቲ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኮይነን ኣብ ፊላደልፊያ ክምረፃ እየን።ሪፓብሊካዊያን ድማ ኣብ ክሊቭላንድ ኣብ ዘካይድዎ ዋዕል ንዶናልድ ትራምፕ ክመርፁ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG