ዋሽንግተን —
መጻረይ ውድድራት ምርጫ ኣመሪካ ኣብ ዝተጎሃሃረሉ እዋን፡ ኣመሪካውያን ዝህብዎ ዘለዉ ርእይቶታት`ውን ብእኡ ደረጃ ወሲኹ`ሎ። ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ጽዩፍ ዘረባ ደርብዩ ዝብሃል ሪፓብሊካዊ ተወዳዳሪ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ዓው ኢሉ ብምዝራቡ ይንእድኦ።
ቀዳመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ ፕረዝደንት ኣመሪካ ክትከውን ተስፋ ዝተነብረላ ሂላሪ ክሊንተን ከኣ፡ ስለምንታይ ካብ ደቂ-ኣንስትዮ ከምቲ ዝጽበ ድጋፍ ዘይረኸበት ዝብል`ውን ካልእ መኣዝን ክትዕ ኮይኑ`ሎ።
ብዛዕባ`ዚን ካልእን፡ ደቀንስትዮ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃብኦ ርእይቶ ኣብ ናይ ሎሚ ረቡዕ ህዝቢ ምስ ህዝቢ መደብ ቐሪቡ`ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።