ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራፕን ሂላሪ ክሊንተን አብ ምርጫ ዓባይ ሶሉስ ተዓዊቶም

ዶናልድ ትራፕ (ጸጋም) ሂላሪ ክሊንተን(የማን)
ዶናልድ ትራፕ (ጸጋም) ሂላሪ ክሊንተን(የማን)

ኣብቲ ትማሊ ሶሉስ 'ዓባይ ሶሉስ' (ሱፐር ቱስዴይ) ብምባል ዝፍለጥ አብ 11 ክፍለ-ግዝኣታት ዝተካየደ መባእታዊ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ፡ ሕጹያት ተወዳደርቲ ዶናልድ ትራፕ ካብ ፓርቲ ሪፖብሊካን፡ ሂላሪ ክሊንተንን ድማ ካብ ዲሞክራት ተዓዊቶም።

እዚ ዓወት’ዚ ድማ ነቶም ሕጹያት ተወዳደርቲ ከካብ ፓርቲኦም ተወከልቲ ኮይኖም ንክምረጹ ዓቢ ስጉምቲ’ዩ።

ኣብዛ ዝዓበየት መዓልቲ ኣብ ዘመተ ምርጫ ንፕረዝደንት ኣሜሪካ ዓመተ 2016፡ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፓርቲ ሪፖብሊካን ዶናልድ ትራፕ ኣብ ዝበዝሐ ክፍለ-ግዝኣታት ብምዕዋትን ዝበዝሐ ድምጺ ተወከልቲ ብምርኻብ ተዓዊቶም ኣለዉ።

‘ ሽሕ’ዃ ሰባት ክኣምንዎ እንተተጸገሙ ኣነ ንሓድነት ዝሰርሕ ሰብ’የ። እመኑኒ፡ ንሓድነት’የ ዝሰርሕ። ነዚ ጀሚርናዮ ዘለና ንወድእ እሞ፡ አንጻር ሓንቲ ሰብ’የ ክለዓል ንሳ ድማ ሂላሪ ክሊንተን’ያ’ይብሉ ዶናልድ ትራፕ

ሰነተር ቴድ ክሩዝ ኣብ ክፍለ-ግዝኣቶም ዝኾነት ቴክሳስን ጎረቤታ ኦኮልሃማን አላስካን ዝተዓወቱ ክኾኑ ከለዉ ንዶናልድ ትራፕ ክስዕሩ ዝክእሉ ምኳኖም ብምግላጽ ንመወዳድርቶም ካብቲ ውድድር ክእለዩ ተማሕጺኖም።

ብኻልእ ወገን ካብ ፓርቲ ዲሞክራትስ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ደቡባዊ ክፍለ-ግዝኣታት ዓቢ ዓወት ዝተጎናጸፋ ክኾና ከለዋ ገለ ካብቲ ትኩረት ዘመተአን’ውን ናብ ፓርቲ ሪፖብሊካን ዝተኾረ ይመስል።

ተቐናቓኒአን ዝኾኑ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ድማ አብ ኣርባዕተ ክፍለ-ግዝኣታት ማለት ቨርሞንት፡ ኦክልሃማ፡ ኮሎራዶን ሚነሶታን ዝተዓወቱ ክኾኑ ከለው ዝያዳ ንምዕዋት’ውን ይመባጽዑ።

ይኹን ደአ እንበር ክልቲኦም ፓርቲታት አብ ዝመጽእ ክልተ ሰሙናት ገና ፈታኒ ዝኾኑ ምርጫታት ይጽበዮም ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዶናልድ ትራፕን ሂላሪ ክሊንተን አብ ምርጫ ዓባይ ሶሉስ ተዓዊቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:01 0:00

መባእታዊ ምርጫ ሕጹያት ተወዳደርቲ ንፕረዝደንት ኣሜሪካ

ሕጹይ ተወዳዳሪ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ምስ በዓልቲ ቤቶም ጄን ሳንደርስን ወዶም ለቪ ሳደርስን አብ ክፍለ-ግዝኣት ቨርሞንት
1/9 ሕጹይ ተወዳዳሪ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ምስ በዓልቲ ቤቶም ጄን ሳንደርስን ወዶም ለቪ ሳደርስን አብ ክፍለ-ግዝኣት ቨርሞንት
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ፓርቲ ዲሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ማያሚ - ፍሎሪዳ
2/9 ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ፓርቲ ዲሞክራት ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ማያሚ - ፍሎሪዳ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
ሕጹይ ተወዳዳሪ ፓርቲ ሪፖብሊካን ዶናልድ ትራፕ
3/9 ሕጹይ ተወዳዳሪ ፓርቲ ሪፖብሊካን ዶናልድ ትራፕ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
ሕጹይ ተወዳዳሪ ፓርቲ ሪፖብሊካን ሰነተር ማርኮ ሪብዮ
4/9 ሕጹይ ተወዳዳሪ ፓርቲ ሪፖብሊካን ሰነተር ማርኮ ሪብዮ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
ኣሜሪካዊያን ነበርቲ ጀርመን ኣብ ምርጫ
5/9 ኣሜሪካዊያን ነበርቲ ጀርመን ኣብ ምርጫ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
ሕጹይ ተወዳዳሪ ፓርቲ ሪፖብሊካን ቴድ ክሩዝ
6/9 ሕጹይ ተወዳዳሪ ፓርቲ ሪፖብሊካን ቴድ ክሩዝ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
መባእታዊ ምርጫ ሕጹያት ተወዳደርቲ ንፕረዝደንት ኣሜሪካ
7/9 መባእታዊ ምርጫ ሕጹያት ተወዳደርቲ ንፕረዝደንት ኣሜሪካ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
መባእታዊ ምርጫ ሕጹያት ተወዳደርቲ ንፕረዝደንት ኣሜሪካ
8/9 መባእታዊ ምርጫ ሕጹያት ተወዳደርቲ ንፕረዝደንት ኣሜሪካ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
መባእታዊ ምርጫ ሕጹያት ተወዳደርቲ ንፕረዝደንት ኣሜሪካ
9/9 መባእታዊ ምርጫ ሕጹያት ተወዳደርቲ ንፕረዝደንት ኣሜሪካ
ተወሳኺ ምርኣይ Show less
Previous slide
Next slide

This item is part of
XS
SM
MD
LG