ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራምፕን በርኒ ሳንደርስን ተዓዊቶም


ትማሊ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኒው ሃምሸር ዝተካየደ ቀዳማይ መድረክ ምርጫ ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ብዓወት ዶላንድ ትራምፕ ካብ ፓርቲ ሪፓብሊካን በርኒ ሳንደርሰን ካብ ዲሞክራት ብምኳን ተዛዚሙ።

ኣመሓዳሪ ክፍለ-ግዝኣት ኦሃዮ ዝኾኑ ጆን ካርኒሽውን ኣብዚ ምርጫ ዘደንቕ ውጽኢት ብምርኻብ ኣብ ፓርቲ ሪፓብሊካን ካልኣይ ደረጃ ረኺቦምዮም። እዚ ውጺኢት’ዚ ኣብ ሕጹያት ተወዳደርቲ ክልቲኡ ፓርቲታት ነዊሕን መሪርን ውድድር ከስዕብ ከምዝኽእል ይግመት።

ንሕጹይ ተወዳዳሪ ዶላንድ ትራምፕ እቲ ዓወት ናይ ፍሰሃ ጊዜዩ ኔሩ። ኣብ ምርጫ ክፍለ-ግዝኣት ኣይዋ ካልኣይ ደረጃ ዝረኸቡን ብግልጺ ኣዘራርባኦም ዝፍለጡን ዘይፖለቲከኛ ተወዳዳራይ ዶላንድ ትራምፕ በዚ ናይ ኒው ሃምሸር ዓወት ምሕጓስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም።

‘ዳግማይ ክንዕወት ጀሚርና ኢና ደጊምና’ውን ክንዕወት ኢና። ንሕና ክንሕጎስ ኢና ኣሜሪካ’ውን ዳግማይ ዓባይ ሃገር ክትከውን’ያ። ምናልባት’ውን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረቶ ንላዕሊ ዓባይ ሃገር ክትከውን’ያ። ንኩላትኩም የፍቕረኩም’የ።’

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ተዓዋታይ ምርጫ ሕጹያት ኣይዋ ዝኾኑ ሕጹይ ተወዳዳሪ ቴድ ክሩዝን ኣመሓዳሪ ክፍለ-ግዝኣት ፍሎሪዳ ነበር ጀብ ቡሽን ሰነተር ማርኮ ሪብዮ ጽዑቕ ውድድርሎ።

ካብ ሕጹያት ተወዳደርቲ ዲሞክራት ድማ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ኣብ ልዕሊ ነቲ ውድድር ዝመርሓ ዝነበራ ሂላሪ ክሊንተን ዓብይ ዓወት ተጎናጺፎም።

‘መንግስቲ’ዛ ዓባይ ሃገር ብተሳትፎ ኩሉ ህዝቢ እንበር ብዉሑዳን ሃብታማት ተሳተፍቲ’ቲ ወፍሪን ናቶም ፖለቲካዊ ኮሚተ ጥራይ ክቐውም የብሉን’ ኢሎም በርኒ ሳንደርስ።

ሂላሪ ክሊንተን ብወገነን ንደገፍተን ንዝመጽእ ምርጫ ክጥምቱ ጸዊዓን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG