ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሂላሪ ክሊንተን ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ፓርቲ ዲሞክራት ጌረን ንርእሰን ምሕሳበን ዝቐልጠፋ ይምስላ ይብሉ መወዳድርተን ሰነተር ሳንደርስ


ሂላሪ ክሊንተን(ጸጋም)ን ዶናልድ ትራንፕ (የማን)
ሂላሪ ክሊንተን(ጸጋም)ን ዶናልድ ትራንፕ (የማን)

መባእታዊ ውድድር ንፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ክዛዘም ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተረፈሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ህጹይ ተወዳዳሪ ፓርቲ ዲሞክራት ዝኾኑ በርኒ ሳንደርስ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ነበር ሂላሪ ክሊንተን ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ፓርቲ ዲሞክራት ጌረን ንርእሰን ምህሳበን ህዉክ ውሳነ`ዩ ክብሉ ይነቕፉ።

ንሶም ነዚ ዝገለጹ ምስ ABC ቴሌቭዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቕ ኮይኑ ኣብተን ተሪፈን ዘለዋ ትሸዓተ ክፍለ-ግዝኣታት ዝኻየድ መባእታዊ ምርጫ ልዑል ውጽኢት ከምዝረኽቡ’ውን ኣሚቶም።

ብተወሳኺ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ካሊፎርንያ ንደገፍቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብታ ክፍለ-ግዝኣት ዘካይድዎ ሓያል ጎስጓስ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝካየድ ኣኼባ ተወከልቲ ፓርቲ ዲሞክራት ድፍኢት ከምዝህቦም ገሊጾም። ክፍለ-ግዝኣት ካሊፎንያ ካብተን ካልኦት ክፍለ-ግዝኣታት ዝበዝሐ ቁጽሪ ተወከልቲ ፓርቲ ዲሞክራት ዘለዋ ክፍለ-ግዝኣት ምኳና ይፍለጥ። ሳንደርስ ብዛዕባ ሪፓፕሊካዊ ሕጹይ ትሩምፕ ክዛረቡ ኸለዉ ከም`ዚ ኢሎም።

‘ሕጹይ ተወዳዳሪ ፓርቲ ዲሞክራት ኮይነ እንተተዓዊተ ዶናልድ ትራንፕ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ከምዘይኸውን የረጋግጽልኩም።’

ዶናልድ ትራንፕ ንሕጹያት ተወዳደርቲ ፓርቲ ሪፖብሊካን ብምብላጽ እቲ እንኮ ሕጹይ ተወዳዳሪ ብምዃን ነቲ ፓርቲ ወኪሎም ንምርጫ ፕረዝደንት ክወዳደሩ ተዳልዮም’ለው።ሰነተር ሳንደርስ ብወገኖም ንኣሃዛዊ መለክዒ ርእይቶ ህዝቢ ብምጥቃስ ካብ ሂላሪ ክሊንተን ንሶም ንዶላንድ ትራንፕ ክስዕሩ ዘሎ ዕድል ዝለዓለ ምዃኑ ይገልጹ።

እንተኾነ ግን ኣብ ወርሒ የካቲት ብዝጀመረ መባእታዊ ምርጫ ንሕጹይ ተወዳዳሪ ንፕረዝደንት ኣሜሪካ ሂላሪ ክሊንተን ብዙሕ ቁጽሪ ወከልቲ ረኺበን ኣለዋ። እዚ ድማ ኣማኢት ዝቁጸሩ ፍሉያት ልዑካን ንሂላሪ ክሊንተን ድምጾም ዝሃቡ ወሲኻ ማለት’ዩ። ሂላሪ ክሊንተን 2,293 ድምጺ ወከልቲ ክረኽባ ከለዋ በርኒ ሳንደርስን ግን 1,533 ድምጺ ወከልቲ’ዮም ረኺቦም ዘለዉ። ብመሰረት እዚ ኣሃዝ በርኒ ሳንደርስ ክዕወቱ ኣብዘን ተሪፈን ዘለዋ ክፍለ-ግዝኣታት ዝኻየድ መባእታዊ ምርጫ ብልዕሊ 90 ሚእታዊት ክዕወቱ ኣለዎም።

እዚ ስለዝኾነ ድማ’ዮም ኣሜሪካዊያን ኣድመጽቲ ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝኻየድ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ድምጾም ንሂላሪ ክሊንተን ወይ ዶናልድ ትራንፕ ንምሃብ ዝዳለው ዘለዉ። ብተወሳኺ ብመሰረት ኣሃዛዊ መለክዒ ርእይቶ ህዝቢ እዞም ክልተ ሕጹያት ተወዳደርቲ’ዮም ብዝበዝሐ ህዝቢ ዘይፍቱዋት ተወዳደርቲ ምኻኖም ይገልጽ ኣሎ።

ኣሃዝዊ መለኽዒ ርእይቶ ህዝቢ Washington Post ABC TV ሂላሪ ክሊንተን ብ53 ሚእታዊት ካብ ርእይቶኦም ዝሃቡ ከምዝይፈትውወን ክገልጹ ከለዎ 60 ሚእታዊት ድማ ንዶናልድ ትራንፕ ከምዘይፈትዉ ይገልጹ። ብኣንጻር’ዚ ግን በርኒ ሳንደርስ ብ51 ሚእታዊት ዝፍተዉ ኾይኖም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG