ኣብ ሶማል ዞባ ታሕተዋይ ሸበሌ ከተማ አፍጎይ ሚሊሻታት አልሸባብ ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ሓደ ወታደራዊ መደበር መጥቓዕቲ ፈጺሞም ብዉሑዱ 12 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ።
ዋሽንግተን —
ኣመሓዳሪ ዞባ ታሕተዋይ ሸበሌ ኢብራሂም አደን ዓሊ ናጃህ ንድምጺ ኣሜሪካ አብ ዝሃብዎ ቃል ሰራዊት ሶማል ነቲ መጥቓዕቲ ኣል-ሸባብ ሞት ብዘስዓበ ምላሽ መሊስዎ'ሎ ኢሎም።
እቶም ኣመሓዳሪ እቶም ሚሊሻታት ናብታ ከተማ ኣይኣተውን እቲ ሰራዊት ካብ መፈተሺ ኑቑጣ'ዩ መሊስዎም ክብሉ ከለው አል-ሸባብ ግን ኣፍጎይ ከተማ ኣትዩ ንወታሃደራዊ መደበር ድሕሪ ምቁጽጻር ኣጽዋራት መንዚዑ ከምዝወጸ ይገልጽ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ውሽጢ ማህበረሰብ ስለያ ሶማል ዘሎ ድኽመት'ዩ ሚሊሻታት አል-ሸባብ አብ ሶማል መጥቓዕትታት ሽበራ ንኽፍጽሙ ኣኽኢልዎም ክብሉ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ስለላ ሶማል ነበር ዖማር ሱሌማን ዓሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ሶማል ሓቢሮም።
ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5